2010-06-08 15:50:39

መበል 50 ዓመት በዓል ናጽነት ኮንጎ


ናይ ኮንጎ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ኮንጎ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ መበል 50 ዓመት በዓል ናጽነት ብኸመይ መልክዕ ክበዓልን ክዝከርን ከምዘለዎ ዝሕብር መግለጺ ከምዘውጽኤ ፊደስ RealAudioMP3 ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኮንጎ ዕለት 30 ሰኔ 1960 ዓ.ም. ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ዝወጻትሉ ዕለት ምኽንያት ኣብታ ሓገር ንበዓል ናጽነት ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይካየዱ ከምዘለዉ ክንገር እንከሎ፣ ካብቶም መደባት ሓደ ካብ ዕለት 9 ሰነ ክሳብ 12 ሰነ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኪንሻሳ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካየድ ብሔራዊ ዘተ ምዃኑ ብጹዓን ጳጳሳት ጠቒሶም፣ ብቐዳማይ ደረጃ ዝሓለፈ ታሪኽ ክድህሰስን ብምቕጻል እዋናዊ ሓገራውን ማሕበራውን ሕቶታትን ትጽቢትን ብዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ዝምራሕ ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ሬፓብሊክ ኮንጎ ዘውጽእዎ መገልጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሉት ብምምልካት፣ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራዊ ናጽነት፣ ሃገራዊ ሕቶን ሚዛንን፣ ፈራዲ ዕለታዊ ከይዲ መንግሥቲ ሕዝብን ምዃኑ ብምትንታን፣ ቅድም ቀዳድም ንእግዚኣብሔር ምምስጋን ብምቕጻል ናጽነት ናይ ሕዝብን ሓገርን ረብሓ ዘማእከለ ክነሱ ነዚ ናይ ሓባረ ረብሓ ንሓደጋ ዘቃልዔን ሸለል ዝበለን፣ ዝተፈጸሙ ጌጋታት ብምስትንታን ሓድሽን ብሩህን ናይ መጻኢ ተስፋ ምሕናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፣ ናጽነት፣ ናጽነት ሓገርን ሕዝብን ምዃኑ ከይዝንጋዕ ከምዘተሓሳሰቡ፣ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኮንጎ ወንጌል ኣብ ምብሣር ተልእኾኣ ተጊሃ ናይ ሓባር ምዕባለን ምሉእነት ሕዝቢ ከምእተተባብዕ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.