2010-06-06 12:37:09

ማርያም ደዓሪት 2010 (ግንቦት 21 2002 ዓ.ም.)


ንባባት፡ ገላትያ 4፡1~9፥ ራእ 11፡19~12፡1~6፥ ግ.ሓ.1፡12~14፥ ሉቃ. 1፦39~56

ስብከት፡ ወለገጽኪ ይትመኃለሉ ኩሎሙ አሕዛብ ብዑላነ ምድር ኩሉ ክብራ ለወለተ ንጉሥ ሃሴቦን በዘአጽፋረ ወርቅ ኅቡርት ወዕጹፍት።

“ኩሎም ወለዶ ብፅእቲ ክብሉኒ እዮም” (ሉቃ.1፡48)። ነዚ መሰረት ገርና ንማርያም ብፍሉይ ነኽብራ። ሎሚ ዓመታዊ ብዓል ማርያም ደዓሪት ክነብዕል አብዚ ቅዱስ ቦታ ካብ ኩሉ ተአኪብና አሎና ንግደትና ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበሮ። ንኹልኹም እንቋዕ ነዚ ፍሉይ መዓልቲ ማርያም ድዓሪት ንምብዓል አብቅዓኩም እብል።

አብ ዓመት ዝተፈላለዩ በዓላት ንፍሉይ ምኽንያት ገርና ነብዕላ። ኩሉ እነብዕሎ ብዓል ንአና ዝምልከት ንጥቕምና እዩ። በዓል ብዙሕ የዘኻኽረካ ማለት፥ ክተመስግን፥ ክትልምን፥ ክትቅይር፥ አበይ ከም ዘሎኻ ክትፈልጥ፥ ከምኡ ክትምሃር። አብ ሕይወትካ እትጉዓዞ መገዲ ክትርኢ ይዕድመካ አበይ አሎኹ ከምይ አሎኹ፥ ሎሚ እንታይ ተዘክሮ አሎኒ ስለመንታይ አብዕል አሎኹ አነ ከም አነ አንታይ ፍሉይ ነገር ክገብሮ ዝግብአኒ አሎኒ እናበልና እንሓስበሉ ጊዜ እዩ። ብሓጺሩ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክንርኢ ዝሕግዘና አጋጣሚ እዩ።

ማርያም ብዓል ክንገብረላ ከሎና ንብዙሕ ምኽንያት እዩ።

    አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ዕርቂ ክፍጠር መንጎኛ ኮይና ካብአ ሥጋና ለቢሱ ስለ ዘድሓነና ብአአ ክንቀርቦ ንሱ ዝሃበና ጸጋ ስለ ዝኾነ። ስለዚ አምላኽ ስለ ዘኽበራ መተዓይይቱ ንድሕነት ደቂ ሰብ ስለ ዝገበራ ክነኽብራ ይጠቕመና እዩ ከመይ ድሕነትና ስለ ዘዘኻኽረና።

    ማርያም ንአምላኽ ዘሓጉስ ሕይወት ትመርሕ ነራ። አምላኽ ንሰመን ንደቡብ ንምስራቕ ንምዕራብ ጠመተ ግን ከማኺ አይረኸበን እናበለ አብ መጽሓፍ ቅዳሴና ጎስዓ ከምዘንብቦ ኩነታታ ሕይወታ ቅርብነታ ርእዩ መረጺዋ። ሕይወታ ሕይወት ጸሎት እዩ ነሩ። ቅ. ሉቃስ ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ነበረት ይብለና አብ ልባ እትሕዞ ነቲ አምላኽ ብአአ ገሩ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ። አብ ግ.ሓ 1፡13~14 መንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ምቕባሎም ንሓዋርያት አብ ጸሎት ትመርሖም ነራ። አብ ጽንኩር እዋን ቀራንዮ አየማረረትን ከምይ ኩሉ መደብ አምላኽ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት። ማርያም ቅድስቲ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮይና ብንጽሕና ትነብር ነራ፥ ሎሚ ንሕና ነመገዲ ቅድስና ክንሕዞ ክንነብሮ አምላኽ ይደልየና።

    ክትሕግዘና ትኽእል እያ። ህይወት ማርያም ሕይወት ምሕጋዝ እዩ። ኤልሳቤጥ ሓገዝ አብ ዘድልያ እዋን ማርያም ክትሕግዛ አብአ ከይዳ ሰለስተ ወርሒ አልዒላታ። አብ ቃና ዘገሊላ አብ ዝተገብረ መርዓ ሰብ መርዓ ምስተ ሸገሩ ማርያም ንኹሉ ርእያ ንወዳ ገለ ግብረ ሓግዞም ኢላ ምስ ለመነቶ መጀመርታ ተአምራቱ ብልመና ማርያም ጀሚርዎ። አብ ታሪኽ ክርስትና ማርያም ንጽጉማት እትአሊ ናይ ጭኑቓት ዑቕባ እያ። ወዳ ንሳ ዝበለቶ አይአብያን እዩ ስለዚ ንለምና ክትሕግዘና።

    ሰብ ስለ ዝኾና አብ ግላውን ሓባራውን ሕይወትና ናይ ማርያም ሓገዝ የድልዮ። ንግልና አብ ግላዊ ሕይወትና ንማርያም ክንቀርባ ክነዛርባ ኩሉ ኩነትና ክንገልጸላ፥ አብ ናይ ሓባር ነገራት ከአ ቤተክርስትያና፥ ሃገርና ናይ ማርያም ገርና ክንክእል የድልየና።


ሎሚ ብፍሉይ ማርያም ደዓሪት ነብዕል አሎና ፍሉይ መልእኽቲ ተዘክሮ ዘልኦ ዕለት። ኩልና ከም ንፈልጦ ማርያም ደዓሪት ክትጅምር ከላ ሕያዎት ደናግል ደቂ ፍቕሪ እቲ ከባብን ቦታን ንጸሎት ጥዑም ኮይኑ ስለ ዝረኸብኦ አብኡ ጸሎት አስተንትኖ የዘውትራ ነረን ብ1875 አቢሉ እየን ጀሚረንኦ። ቀዳም ቀዳም አብኡ እና ኸዳ መቝጸርያ ጸሎት አስተንትኖ ይገብራ ነረን። ካብኡ ንድሓር ሰባት ምስኤን ክጽልዩ ጀሚሮም ብፍላይ ካብ ባምቢ ካብ ከረን ካህናት ምእመናን እናመጹ አብኡ ፍሉይ ጸሎትን ምህልላን ናብ ማርያም የዕርጉ ነሮም። አብ ካልአይ ውግእ ዓለም ጣልያን አብ ጥንቍልሓስ አብ ዝተገብረ ወሳኒ ውግእ አብ ዝተገብረሉ ብዙሕ ህዝብን ብፍላይ ወተሃደራት አብቲ ማርያም ዝነበረቶ ዝተዓቕቦም ከም ዝደሓኑ ይንገር። አብ ማርያም ደዓሪት ጽጉማት ሰብ መብጽዓ፥ ሓገዝ ንዝተፈላለ ነገራት ዝሓቱላ ዕለት እያ። ሃገርና ቅድሚ ነጻ ምውጽአ ናይ ከባቢ ዓድታትን ከምኡ ካብ ምሉእ ሃገር ነጋድያን ይጉዓዙ ነበሩ፥ ምእንቲ ሰላም፥ ምእንቲ ሕድገት ሓጢአት ምእንቲ ኩሉ ክጽልዩ ይመጹ ነበሩ። ዽሕሪ ነጻነት ማርያም ደዓሪት ብዝለዓለ ደረጃ ብአቡናት ካህናት ብኹሉ ህዝቢ ክትብዓል ጀሚራ። ሎሚ ካብተን ሓንቲ ብፍሉይ አብ ሃገርና ዝበዓላ ቤተ ጸሎት ቤተ ንግደት እያ።

ንአና አብዚ ዓዲ ናይ ሎሚ ብዓልና እንታይ ክንገብር ይሓተና፡


አምላኽ ብማርያም ገሩ ቀሪቡና አድሒኑና እዩ እሞ ሎሚ ብፍሉይ አደና አደ አምላኽና አብ መንጎና ሓዲርኪ ናይ ወድኺ ጸጋ አባናን አብ ኩሉ ወገናን ዓለምናን ሰላም ምርድዳእ አብ መንጎ ሰባት አውርድልና ንበላ። እነዕርጎ ጸሎትን ምህላልን አብ ሰማይ ዓሪጉ ንመገዲ ቅድስና ሒዝና ክንጉዓዝ ማርያም ትምርሓና።

ንኹልኹም አብ እምነትኩም ንፉዓት ክትኮኑ ንአምላኽን ማርያምን ዘሓጉስ ሕይወት ሒዝኮም እትጉዓዙ ይግበርኩም ። ርሑስ ብዓል።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.