2010-06-06 12:35:12

2ይ ዘጰራቅሊጦስ 2010 (ግንቦት 22 2002 ዓ.ም.)


ንባባት፡ ኤፌ 4፡1~17፥ 1ዮሓ 2፡1~18፥ ግ.ሓ. 2፡1~14፥ ዮ.ሓ 14፡1~22

ስብከት፡ ዐርገ ውስተ አርያም ጸዊወከ ጼዋ ወወሃብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው፥ እስመ ይክሕዱ ከመ ይኅድሩ።

መዝሙር፡ ወረደ መንፈስ ቅዱስ . . . .

“መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያ ከም ሓዊ ወረደ፥ ብናይ ኩሉ ከባቢ (ቋንቋ) ኸአ ተዛረቡ”

አብ እዋን ጳራቅሊጦስ ኢና ዘሎና። አብዚ እዋን ብፍሉይ ክሕግዘነ ምእንቲ ሕይወት ናይ እታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ ኩነታት ክንዕዘብ ሓጋዚ እዩ። ቀዳሞት ክርስትያን ምስ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊኦም ምስ ወረደ እዚ ዝስዕብ አብ ኩሉ ነገራት ንዕዘብ።


ቀዳሞት አመንትን ተኸተልትን ክርስቶስ ነዚ መንፈስ ለቢሶም እዮም ተጓዒዞም። አብዚ ዘመን ዘሎና አመንቲ ክርስቶስ ከመሎና ብምንታይ ንፍለጥ ብአና አቢሎም ናብ ክርስቶስ ዝቐረቡ አለዉናዶ ንክርስቶስ ክፍለጥ እንታይ እገብር አሎኹ ክንብል እዋኑ እዩ። መንፈስ ቅዱስ አብ ዝተፈላለየ እዋናት ምስጢራት ክንቅበል ከሎና ተቐቢልናዮ አሎና ሎሚ እውን አብ ጸሎት አብ ዝተአከብናሉ ብፍሉይ አብ መአዲ ቅዳሴ አብ ዝተአከብናሉ አብ ኩሉ ሰናይ ግብሪ አብ መንጎና አሎ። እሞ ኩነታትና ከመይ እዩ።

ዘተ ምስ አምላኽ ክንአቱ እዋኑ እዩ። ከመለኹ ምስ ክርስቶስ ዘሎኹ እናበልና ሓተትን መለስትን ክንከውን የድልየና። ከም ሰባት መጠን አትኩሮና አብ ካልኦት ዝገበርዎ ዝበልዎ ኢና እነተኩር እንተኾነ ሎሚ ዝድለ ዘሎ ናይ ሰባት ገምጋም ክንህብ ዘይኮነ አነ ዘለኽዎ እዩ ዝድለ ዘሎ። ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ምቕባሎም አብ ጸሎት ተጸሚዶም ብጸሎትን ምጾምን ይሰናደዉ ነሮም። ጸሎት ዝገብር ንአምላኽ ይፈልጥ። ጸሎት ክንገብር ከሎና ንርእስና አብ ቅድሚ አምላኽ ስለ እነቐምጣ ምቹእ ኩነታት ይፍጠረልና። ሎሚ እምብአር ምስ መንፈስ ቅዱስ ክንራኸብ ኩነታትና ክነዔር ጸሎት ክንገብር ግድን እዩ። መንፈስቅዱስ ብአይ ክዓዪ ናተይ ተሳትፎ ይደሊ። አምላኽ ጎደሎ ወይ ካባይ ዝደልዮ አልይዎ ዘይኮነ አነ ምእንቲ አብቲ መደባቱ ሱታፌ መታን ምእንቲ ክረክብ። ምተዕይይቱን አምባሳደራቱን ኢና። ንአና ዝረአየ ንአኡ ረአየ፥ እዚ እየ መደብ አምላኽ አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ።

ክርስትያናዊ ጉዕዞ መልክዑ መንፈስ ቅዱስ ክመርሖ እንከሎ ጥራሕ እዩ። ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ይመርሓ እዩ ግን ሰባት ናታትና ዝንባሌን ድኽመትን ስለ ዝሕወሶ ኩሉ ጊዜ ትሳቐ። ክንርድኦ ዝግብአና አምላኽ አይኮነን ድኺሙ ንሕና ኢና ደኺምና ነቲ ናቱ መንገዲ እንሓድጎ ሽዑ ንሳቐ። ጉዕዞና ርክብና ኩሉ አብቲ መንፈስ ቀዳሞት አመንቲ ክምለስ አሎዎ። አብ ሓደ ልብን መንፈስን ሽዑ መንፈስ ቅዱስ አብ መንጎና ክርከብ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ንሰይጣን እምቢ በልዎ ይብለና ናሰይጣን አይትገእዝዎ ይብለና። ብክርስቶስ ሓራ ዝወጸት ሕይወትና ሎሚ እውን አብቲ ሓቀኛ ነጻነት አሚና ንርእስና ታቦትን ማሕደርን መንፈስ ቅዱስ ንግበራ።

ንአምላኽ ክንቀርቦ ናይ ነፍስወከፍና ተሳትፎ ክህሉ ይግባእ። ሃይማኖት ናይ ሓባር ጉዕዞ አይኮነን ናይ ነፍሲ ወከፍ ርክብ ምስ አምላኽ ዘልኦ እዩ ንሃይማኖት ሓቀኛ መልክዑ ዘልብሶ። ጎይታይ ጎይታይ ዝብሉ አይኮኑን ዘድልዩ እንታይ ድአ ነቲ ጎይታ ዝደልዮን ዝብሎን አብ ግብሪ አብ ሕይወቶም ለቢሶም ዝጉዓዙ እሞ ንኹሉ አብ መንፈስ አምላኽ ዘንብሩ።

ኩልና ክንሕደስ የድልየና አሎ። አብ ሕይወት ቤተክርስትያና አብ ናይ ስድራቤት ከምኡ አብ ቁምስናታን እንተ ረኤና ብሩህ ዝርአ ጉድለት አሎ። ፍቕሪ አምላኽ፥ ሓልዮት አድሕድ፥ ምምሕሓር፥ ብሓጺሩ ዝርአ ዘሎ ናይ አምላኽ ዘይኮነ ነገራት ክወርሰና ይርአ አሎ። ክርስትያናዊ መንፈስ ዝሒሉ ሰባት አብ ምልኪ ካልኦትን ናይ ኻልኦት ሕማቕ ክርእዩ ምድላይን ዝወፈሩ ጥራሕ ትርኢ እዚ ንእምነትና መንሽሮ ኮይንዎ ይቐትሎ አሎ። ሕልናና ጠባይና ክንቅይር ፍቓደኛታት ንኹን። ንሰላም ክርስቶስ ክንዲ ንለብሳ ብማዕዶ ብሂግናያ ጥራሕ ንነብር አሎና።

ሰላመይ እህበኩም አሎኹ ዝብላ ቃላት መጀምርያ አብ ልብና ክአትወ ድሕሪኡ አብ ህዝብና አብ ሃሃገሩ ክአትዋ ናይ ነፍሲ ወከፍና ተሰትፎ የድሊ። ሰላም ክንብል ከሎና ካብ ውግእ ዕግርግር ጥራሕ አይኮነን እቲ ዝዓበየ ስእነት ሰላም ካብ አምላኽ ምስ ርሓቕካ እዩ። አብ ሕልናና አብ ርክባትና ሰላም እንድሕሪ ዘየሎ ሰላም የለን ስለዚ ነቲ ሓቕኛ ሰላም ክርስቶስ ሎሚ አብ መንጎና ክነንግሶ ሕራይ ንበል።

ማርያም ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮይና ጣዕሙን ምስጢሩን ኩሉ ዘስተማቐረት እያ። ኩሉ ሕይወታ ሕይወት መንፈስ ቅዱስ ዝተሓጎሰሉ እዩ እምብአር ሃብታት መንፈስ ቅዱኣ አብ ሞንጎና ክወርድ ናይ ማርያም አብ መንጎና ምህላው የድልየና። ነታ ቀዳመይቲ ማሕበር ዝመርሐት ማርያም ሎሚ ንነፍስወከፍና ብርድኤታን ጸሎታን ትምርሓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.