2010-06-05 14:52:28

ርእሰ አንቀጽ ቅድስቲ መንበር፣ ውህደትን ዘተን ሰላምን


እቲ ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ብዝብል ወንጌላዊ ቃል ዝተመርሔ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቆጵሮስ ዘካይድዎ ዘለዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ክርስያናዊ ሓድነትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ርክስትያን ንውህደት ኣሚቱ ዝካየድ ዘተ ዘስምዕን፣ እቲ ዓቃልን ትዕግሥተይናን ናይ ሰላም ጻዕሪ ዘተባብዕ ጉዕዞ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቆጵሮስ እንክነቕሉ RealAudioMP3 ኣብ ነፋሪት ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፍን ናይ ቫቲካን ራዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ገሊጾም።

ብኻልእ መዳይ ድማ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ብባህልን ሥርዓታትን ከምኡ ድማ ኣብ ከባቢኤን ውሁዳን ክፍሊ ህብረትሰብ ዝውክላ ኮይነን ዘለዋ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፣ ኣብቲ ከባቢ ናይ ሓባር ዘተ ክህሉን ናይ ሓባር ምክብባርን ምቅብባልን ክረጋገጽ ዘተባብዕ ከምዝኾነን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና፣ ነዚ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝድግፍ ኢዩ ኢሎም። ካቶሊክ ምእመናን ቆጵሮስ ውሁዳት ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣኳ እንተኾነ ኣብ ገዛእ ርእሶም ተሓጺሮም ከይተርፉ ኣቲ ሓዋርያዊ መሠረት ዘለዎ ሃይማኖቶም ክምስክሩን ብኣኡ መሠረት ከገልግሉን ዘተባብዕን፣ ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያን ብፍላይ ናይ ቆጵሮስ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስያን ምስታ ኣብ ቆጵሮስ ዘላ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ሓባር ምሥክርነት ከቕርባ ዝድግፍን ካብቲ ዝፈላልይ እቲ ሓደ ዝግበር ልዑል ምዃኑ ዝምስክርን፣ እቲ ዝፈላልይ መንደቕ ካብ ሓይሊ ወንጌል ብዝምንጭ ዘይጽንቐቕ ተስፋ መሠረት ክእለ ዝዕድም ናይ ተስፋ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.