2010-06-03 14:26:17

ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ታሪኽ


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ድርገት ወኪል ላውራ ቦልድሪኒ ኵሉ ንድሕሪት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ብዙሓት ስደተይናታትን RealAudioMP3 ተመዛበልትን ታሪኽ ብጽሑፍን ስእልን ዝገልጽ ዝደረስኦ መጽሓፍ ቅድሚ ትማሊ ንንባብ ከምዝበቕዔ እንክንገር፣ እታ መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዝቐረበትሉ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶ ዘረባ ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

እታ መጽሓፍ ዓመጽን ተስፋ ምቝራጽ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ሓቀይና ታሪኽ ስደተይናታት ተመርኵይዛ እተዘንትውን ነዞም ስደተይናታትን ዝቐርበሎም ደገፋትን ምትሕብባራትን እንታይ ከምዝመስል እቲ ዝቐርብ ደገፍን ምትሕብባርን ምስ ሕቶ ስደተይናታትን ዝመዓራረይን ንናይ ስደተይናታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፈቓድን ውሳኔ ዘኽብር ድዩ ንዝብል ሕቶ እትግምግም መጽሓፍ ምዃና ተገሊጹ።

ላውራ ቦልድሪኒ ቅድም ቀዳድም ኣርእስቲ እና መጽሓፈን ኵሉ ንድሕሪት ዝብል ምዃኑን ትርጉሙ ድማ ብዙሓት ሓገራት ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝኽተልኦ መምርሒ ዝምልከት ኢዩ ቢለን፣ ብዙሓት ሓገራት ስደተይናታት ናብ ዝምጽሉ ሃገር ክስጎጉ ዘቕርብዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ ላዕሊ ላዕሊ ጥራሕ እናረኣኻ ኣብ ልዕሊኦም ዝወሰንን፣ ምስቲ ሕቶኦምን ግላዊ ንስደት ዝደረኾም ብቝዕ ምኽንያት ዘይመዓራረይ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ ቢለን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታትን ዝወሃብ ጅምላዊ ቅድመ ፍርድን ብዙሓት ነቶም ዝስደዱ ስደተይና ቢሎም ኢዩም ዝገልጽዎም እዚ ድማ ጌጋ ኢዩ፣ ብዙሓት ዝስደዱ ንስደት ዝድርኾም ኵነት ስለ ዘሎ ኢዩ፣ ስለዚህ ብሓይሊ ዝተሰዱ ኢዩ ክበሃል ዘለዎ ኢለን።

ብፁዕ ኣቡነ ማርኬቶ ስደተይናታት ኣብ ኢጣሊያ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ብምትንታን፣ ኢጣሊያ ብሓቂ ብዙሓት ገበርቲ ሰናይን ወለንተይናታትን ዘለዋ ሃገር ምዃና ገሊጾም፣ ብነኣሽቱ መራኽብ ንስደት ዝብገሱ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ እንከለዉ ካብ ዘጋጥሞም ናይ ሞት ሓደጋ ብምትሕብባርን ደገፍን እዞም ወለንተይናታት ገበርቲ ሰናይን ዝደሓኒ ምዃኖም ገሊጾም ኣብዚ መዳይ ማኅበረ ክርስትያን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከበርክት ኣለዉ ከምዝበሉ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.