2010-06-03 14:23:31

ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 02 ግንቦት 2010 ዓ.ም.

ባህርያዊ ውህደት እምነት ክርስትናን ኣእምሮን/ ምርምርን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ እቲ ልሙድ ረቡዓዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ እንክንገር፣ ቅዱስነቶም በዚ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ RealAudioMP3 ዘሎ ውጥረት እናኸፍኤ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ከምዘተሓሳስቦም ገሊጾም፣ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሁከትን ውጥረትን ካብ ዘተ ዝምንጭ ቅኑዕ መፍትሒ ኢዩ ዘድልዮ እምበር ዓመጽ ዘለዓዕል ዓመጽ ኣይኮነን ኢሎም።

እቶም ዕርቅን ሰላምን ከይተሓለሉ ክረጋገጽ ከይተሓለሉ ብምሉእ ሓይሎም ዝተግሁ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክድግፎም ጸልዮም፣ እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ ውሽመጥ ጋዛ ብሰላማውያ ሰባት ተዓጂበን ዘምርሓ ዝነበራ መራኽብ ብናይ እስራኤል ሓይሊ ባሕሪ ብዘውረዶ መጥቃዕቲ ንሞትን መቝሰልትን ሓደጋ ከምዘቃልዔን እዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ውጥረት ከብእሶ ከምዝኽእል ዘለዎም ሥግኣት ገሊጾም፣ ነዚ ህልዉ ኩነታት ናይቲ ከባቢ ብቐረባ ከምዝከታተልዎን በቲ መጥቃዕቲ ናይ ሞት ሓደጋ ንዝወረዶም ኣብ ጸሎቶም ዘኪሮም፣ ነቶም ጽልኢ ዘረሳስኑን ነቲ ውጥረት ንምርጋእ ዝጽዕሩን ናይ ሰላም ጻውዒት ብምቕራብ፣ እቶም ናብቲ ከባብን ዓለም ለኻውን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላት ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኣብ ስምምዕን ህድኣትን ዘነብር ብሉጽ ናይ ሕይወት ኩነት መታን ክረጋገጽ ካብ ዘተ ዝምንጭ መፍትሒ ከናድዩን ሓደራ ኢሎም።

ብምቕጻል ነቲ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ህልው ኩነታት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራብ፣ ናይ ዕለቱ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ 1200 ዓ.ም. ዝነበረ ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቶማሶ በዓል ኣኵይኖ ኣማእኪሎም ከቕርቡ ምዃኖም ገሊጾም፣ ቅዱስ ቶማስ በዓል ኣኵይኖ ኣብ መንጎ እምነት ክርስትናን ኣእምሮን ማለት ምርምርን ባህርያዊ ውህደት ከምዘሎ ዘነጸረ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ዓቢይን ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ ዝጸለወ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቅዱስ ተማስ በዓል ኣኵይኖ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ፣ እቲ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መዝገብ ትምህረተ ክርስቶስ ድሕሪ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ 61 ጊዜ ዝጠቕሶን ብዙሓት ብዘይ ርእይቶን ነቐፌታን ሓንጎፋይ ቢሎም ዝተቐበልዎን ገሊኦም ድማ ምስ እምነት ክርስትና ዝጻረር ኢዩ ካብ ዝብል ፍርሒ ተበጊሶም ዝነጸግዎን፣ ብዙሓት ዘይፈፍልጥዎን ናይ ኣሪስቶትል ፍልስፍና ዓሚዩቕ ገላጽን ተንታትንን ከምዝኾነ ዘኪሮም፣ ኣብ ቤትምህርቲ ኣልበርቶ ማኞ ንናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ሥነ ታሪኽ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርከተን፣ ናይ ኣሪስቶስትል ፍልስፍና ብዑምቀት ተመራሚሩን ኣጽንዑን እቲ ርግጸያና ዝኾነ ልዑል ፍልስፍናዊ ኣመለኻኽታን እቲ ዘጠራጥርን ከምኡ ድማ ጠሪሹ ክንጸግ ዘለዎ ፍልስፍናዊ ኣመለኻኽታ ፈላልዩን፣ እቲ ምስ ክርስትያናዊ ግልጸት ዝሰማማዕ መምዩ ብምቕራብ ኣብ ዝደረሶ ናይ ቲዮሎጊያ ሰነድ ክምእተጠቀመሉ ኣረዲኦም፣ ብሓጺሩ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ቅዱስ ቶማስ በዓል ኣኵይኖ ኣብ ምንጎ እምነት ክርስትናን ኣእምሮን ዘሎ ባህርያዊ ውህደት ዘመልከተ ኢዩ ኢሎም።

በቲ ዝነበሮ ዓሚዩቕ ሊቅነት ኣብቲ እዋን ውሩይ ኮይኑ ኣብ ፓሪስ መንበረ ጥበብ ንኸምህር ዝበቕዔን ብዙሓት ሰዓብቲ ዝረኸበን ካብቶም ሓሳቡ ዝጻረሩን ዘይድግፉን እውን ተደናቕነት ዘትረፈ ምዃኑ እቲ ዝደረሶ ብርቱዕን ዓሚዩቕን ነባርነት ዘውሃቦ መዝገብ ቲዮሎጊያ ሱማ ቲዮሎጊ ብዝብል ኣርእስቲ ዝፍለጥ ጠቒሶም፣ ብቐረባ ብብጾቱ ብፍላይ ድማ ኣባል ወዲ ማኅበሩ በነዲክታዊ ፍሉይ ዓርኵ ሓው ረጂናልዶ በዓል ፒፐርኖ ተሓባባርነት ከምዝረኸበን እንክገልጹ፣ ቅዱሳት ዕርክነት ናይ ምዅስካስ ዓቢ ተውህቦ ዘለዎም ኢዮም፣ እዚ ድማ ባዕሉ ቅዱስ ቶማስ በዓል ኣኵይኖ ኣብ መዝገብ ቲዮሎጊያ ከምዝሕብሮ፣ ፍቅሪ ወዲ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ዕርክነት ማለት ኢዩ። ብቐዳምነት ግን ምስቶም ኣባላት እግዚኣብሔር ዝኾኑ ዕርክነት ምቛም ማለት ኢዩ ቢሉ ከዝገልጾ ኣረዲኦም።

ብሓቂ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ንምእመናን ብቐሊሉን ልሙድን ብዘይ ተሓላለኸ ቃላት ክዛረቡ ምኽኣል ዓቢ ጸጋ ኢዩ፣ ናይ ሰባኬ ወንጌል ተልእኾ ነቶም ናይ ቲዮልጊያ ምሁራት ጭቡጥ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከቕርቡን ነቲ ዘካይድዎ ምርምር ዘህብትም ምዃኑ ተንቲኖም፣ ቅዱስ ቶማስ በዓል ኣኵይኖ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዘማእከል ሕይወት ከምዝነበሮን፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀይናን ክዉን ኅላዌ መግለጺ ናይ ዝኾነ ቅዱስ ምሥጢረ ሥጋሁ ወ ደሙ ዝገልጽ ዝደረሶም ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ማህሌት እምነቱን ዝነበሮ ናይ ቲዮሎጊያ ጥበብ ዘነጽሮ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ኤዲምቡርጎ ቅድሚ 100 ዝተበገሰ ምእንቲ ሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ጻዕሪ ብምዝካርን ንዝክረ መበል 100 ዓመት ናይ ሓድነት ጻዕሪ ምኽንያት ኣብታ ከተማ ተኣኪቡ ንዘሎ ጉባኤ ብምዝካር፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማኅበረ ክርስትያን ሓድነት ክረጋገጽ ብትግሃት ዝዓዩ ተልእኾኦም ዳግም ክሕድሱ ኣተባቢዖም፣ ተልእኾኦም እቲ ዝብሠር ቃል ልቢ ሰብ ክትንክፍን ሕይወቶም ክልውጡን ኢዩሱስ ክርስቶስ ብእምነትን ብሕይወትን ዝምስክሩ ኮይኖም ክርከቡ ሓደራ ኢሎም፣ ንቶም በሸሓት ዝተቍጸሩ ምእመናን ቡራኬኦም ሂቦም ከምዘፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መገልጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.