2010-06-01 15:07:07

ውሳኔታት ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣብ ግብሪ ንምውዓል


እቲ ካብ ዕለት 4 ጥቅሚት ክሳብ 25 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ዘጽደቖም ሰነዳትን ውሳኔታትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዝብል ዕላማ ዝተመርሔ RealAudioMP3 መደብ ድኅረ ሲኖዶስ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞዛምቢክ ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት ከምእተኻየደ እንክዝከር። ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ጨንፈር ሓለፍቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ናይ ፍትሕን ሰላም ድርገት ሓለፍትን፣ ካልኦት ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ናይ ልምዓትን ናይ ሕንጸትን ተቛማትን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ሓለፍቲ፣ ብጠቕላላ 134 ተጋባእያን ከምእተሳተፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ ኣብቲ ናይ ማፑቱ ጉባኤ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ከምእተሳተፉ ክንገር እንከሎ፣ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ብውሳኔ ማፑቱ ዝጽዋኦ ሓድሽ ኣፍሪቃዊ ጴንጠቆስጠ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሓባር ሰነድ ከምዘጸደቐ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.