2010-06-01 15:03:37

ካህናትን መርበብ ሓበሬታን


ብምኽንያት በቲ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ክህነት፣ ካህናትን መርበብ ሓበሬታን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካህናት ምስ መርበብ ሓበሬታ ዘለዎም ርክብን ከመይ ከምዝጥቀሙሉን ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ RealAudioMP3 ኢጣሊያ መንበረ ጥበብን ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ብሓባር ዘካይድዎ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ፣ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ሕንጻ ዝርከብ ኣዳራሽ ማርኮኒ ብወግዒ ንንባብ ከምዝቐረበ ተሓቢሩ።

ኣብ 117 ሓገራት ብሐቕላላ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕ ካህናት ዝተገብረ መጽናዕቲ ክከውን እንከሎ፣ ካብቶም ሕቶ ዝቐረበሎም 94 ካብ ሚእቲ ዕለታዊ መርበብ ሓበሬታ ተጠቃሚ፣ 46 ካብ ሚእቲ ነዘቕርብዎ ስብከታት መወከስን መረዳእታ ዘናድይሉ ከምዝኾኑን፣ 94 ካብ ሚእቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ሕንጸት ካህናትን ተመሃሮ ዘረኣ ክህነት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ ቢሎም ከምዝኣምኑን፣ 85 ካብ ሚእቲ ድማ መራኸቢ ብዙሃን ሓበሬታን ዜናታትን ዝረኽብሉ ከምዝኾነ እቲ ሰነድ የመልክት።

52 ካብ ሚእቲ ወንጌል ኣብ ኵሉ ንኽባጻሕ ኣብ ዝግበር ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾ መርበብ ሓበሬታ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክምዘለዎን 72 ካብ ሚእቲ ድማ ባህልታት ብወንጌል ናይ ምስባኽ ተልእኾ ዓቢ ግደ ኣለዎ ቢሎም ክምዝኣምኑ ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ። 80 ካብ ሚእቲ ድማ መልእኽቲ ዝለዋወጥሉ ክምዝኾነን፣ 26 ካብ ሚእቲ ድማ መርበብ ሓበሬታ ፌስ ቡክ ዝጥቀሙ ከምዝኾኑን እቲ ሰነድ ብወግዒ ኣብ ዝቐረበሉ መድረኽ ከምዝተሓበረ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብጹዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ እዚ ዝቐረበ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ኣብዚ ብኣኃዝ ዝተራቀ እደ ጥበብ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ንኣስፍሆተ ወንጌል ብመርበብ ሓበሬታ ከመይ ጌርካ ከተካይዶ ከምዘሎካ ሜላ ዝሕብር ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.