2010-05-27 17:55:30

ጉባኤ ድህረ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ አብ ማፑቶ፡


ካቶሊካውያን ጳጳሳት አፍሪቃ አብ ሞዛምቢክ ርእሰ ከተማ ማፑቶ ድህረ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ብዝምልከት ከም ዝዘየቱ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ።
እቲ ዝሐለፈ ወርሒ ጥቅምቲ አብ ቫቲካን ዝተኻየደ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ቤተክርስትያን ንዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ዘተኮረ ከም ዝነበረ ክምልከት ከሎ አብዚ አብ ማፑቶ ምዛምቢክ ዝተኻየደ ርክብ ድህረ ሴኖዶስ ጳጳሳት ኣአፍሪቃ ናይ አርባዓን ሐሙሽተን ሃገራት 135 ወኪላት ከም ዝተሳተፉ ክምለክት ከሎ አብ ስታድየም ማፑቶ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብብፁዕ ካርዲናል ታክሰን ዝተመርሔ ሥርዓተ ቅድሴ ከም ዝተኻየደ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።
ጳጳሳት አፍሪቃ አብዚ አብ ማፑቶ ሞዛምቢክ ዘከየድዎ ድህረ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ርክብ ሐዲሽ ጰንጠቆስጠ ንአፍሪቃ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ዘህለፎም ውሳኔታት ገቢራውነትን ብዝተሰየመ አርእስቲ ከም ዝዘተዩ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።
እዚ ከምዚ እንከሎ አብ ሞዛምቢክ ንዕስራ ዓመታት ሐዋርያዊ አገልግሎት ዘበርከቱን አብ ምብርካት ዝርከቡን ኮምቦንያዊ ካህን አባ ኦቶሪኖ ፖለቶ ኩነታት ሞዛምቢክ አመንልኪቶም አብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዘመልክትዎ ፡ ድሕሪ’ቲ ብ1992 ዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዕ አብታ ሀገር ሰላም አሎ ተባሂሉ ክግለጽ ከም ዘለዎ አረዲኦም።
ሞዛምቢክ ከም ብዙሐት ሀገራት አፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ኲናት ሕድሕድ ዝተኻደላ ሀገር ከም ዝኾነት ክዝከር ከሎ፡ ሕብረተ ሰብ ሞዛምቢክ አብ ሕይወት ፖሊቲካ ሀገር ተሳታፊ ንምግባር ይጽዓር ከም ዘሎ አተሐሒዞም አመልኪቶም።
ሰላምን ዲሞክራሲን ምርግጋጽን ጽኑዕ መሠረት ክህልዎ ምግባርን ከቢድ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ኮምቦንያዊ ካህን አብ ኦቶሪኖ ፖለቲ አብ መንጎ ዝተላለየ ጽፍሕታት ማኅበር ሰባት ዘተ ምይይጥ ከም ዘድሊ ከም ዝገለጹ ይግለጽ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሞዛምቢክ ንሕብረ ተሰብ ሐዋርያዊ አገልግሎት ጥራሕ ዘይኮነ አብ ማሕበራዊ ናብራ ህዝቢ ብፍላይ አብ መዳያት ትምህርቲ ሐለዋ ጥዕና አብ ሕርሻ ከም ትተሐባበርን ዓቢ ጊደ ከም ዘለዋን ጥቂሶም ክአ ፡ መንግስቲ ሞዛምቢክ ነዚ ዓቢ ሙያ’ዚ ተገንዚቡ ቤተክርስትያን ንክትሰርሕ ከም ዘተባብዕን ከም ዝተሐባበርን አተሐሒዞም አመልኪቶም።
አብ ሞዛምቢክ ኤች አይ ቪ ኤይድስ አብ ዝተባርዓሉ ግዜ ነዚ ዘይምሕር ሕማም’ዚ ንምግታእን ንምክልኻሉን ቤተክርስትያን ከም ዝጽዓረትን ጽቡቅ ውጽኢት ከም ዝረኸበትን ክአ አረዲኦም።
ቤተክርስትያን አብዚ ጥራሕ ከይተሐጽረት ለሚዖም ንህዝቢ ካብ ድኽነት ዘናግፍዎ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ከም ትቅይስን ምስ ህዝቢ አብ ሕርሻን አብ ምርባሕ እንስሳታትን ከም ትሰርሕን አባል ማሕበር ኮምቦኒ አገንዚቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.