2010-05-27 14:22:06

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ኣብ ቫቲካን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 61 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ የካይድ ከምዘሎ እንክሕበር፣ ተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ፣ ጽባሕ ድሕሪ ምዝዛም ኣኼባኦም ምስ ቅዱስ ኣቦና RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክራኸቡን መሪሕ ቃል ክቕበሉን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እዚ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ፣ ሓደ ሃገር ዝዓቢ ወይ ድማ ማዕቢሉ ክበሃል እንተድኣ ኮይኑ ናይ ሓባር ምዕባለ ዝተረጋገጸ ክኸውን ኣለዎ። ብሓባር እንተድኣ ዘይተማዕቢሉ ምዕባለ ኣሎ ክበሃል ፍጹም ጌጋ ምዃኑ ብምትንታን፣ ናይ ኢጣሊያ ሃገራዊ ሓድነት ዝተረጋገጸሉ መበል 150 ዓመት ዝዝከረሉ እዋን ምዃኑ ድማ፣ እቲ ጉባኤ ብምጥቃስ፣ ካብቲ ታሪኽ ሃገራዊ ሓድነት ኢጣሊያ ክቡር ዋጋ ዝተበገሰ ነቲ እዋናዊ ኩነታት ኢጣሊያ ብቐረባ ምርኣይን ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ሕንጸት ዘጓንፉ ብድሆታት ምልላይን ምስናፎምን ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ጉባኤ ብምዝኽኻር ብዛዕባ ባህላውን ሰብኣውን ማኅበራውን ሕንጸት ይመያየጥ እውን ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ መጻኢ ዕድል ኣብ መንእሰያት ዝተጻሕፈ ብምዃኑ፣ ነቲ መንእሰይ ክፍሊ ኅብረተሰብ እንታይ ዓይነት ኅልው ኩነታት ተንብሮ ኣሎኻ፣ እንታይ ዓይነት ታሪኽ ተረክቦ ኣሎኻ? ዝብሉ ሕቶታት እቲ ጉባኤ ብምልዓል ሰፊሕ ዘተ የካይድ ከምዘሎን ኣብ መዳይ ሕንጸት ቤተ ክርስትያን እተበርክቶ ኣስተዋጽኦን፣ መደብ ሕንጸት ማህበራውን ሃይማኖታውን ኤኮንሚያውን መዋቕራውን ስብኣውን ባህላውን ዘጠቓልል ክኸውን ከምዘለዎን ዘተሓሰስብ ዘሎ ጉባኤ፣ ሥድራ ቤት ክሕሎን ብሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ምሥጢረ ተክሊል ዝቖመ ኮይኑ ክንበርን ወለዲ ኣብ ሕንጸት ደቆም ኣብነት ኮይኖም ክርከቡ ከምዘለዎም የተሓሳስብ።

ብምቕጻል ኣብዚ እዋን’ዚ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብዙሕ ይበሃል ከምዘሎ ድማ እቲ ጉባኤ ብምዝካር፣ በዞም ናይቲ ገበን ተሓተቲ ውሑዳት ካህናት መላእ ቤተ ክርስትያንን ካህናትን ምጽላም ጌጋ ምዃኑ እቲ ጉባኤ ገሊጹ ነቶም ናይቲ ዓመጽ ግዳይ ዝኾኑ ቀረባ ከምዝኾነ ብምርግጋጽ፣ ካህናት ኣብ መደብ ሕንጸት ዘለዎ ኃላፍነት ዓቢ ስለ ዝኾነ ኣብ ኣባይቲ ዘረኣ ክህነት ምሉእ ሰብኣውን ባህላውን ማኅበራውን ስነ ኣእምሮኣውን ሕንጸት ክቐርብ ከምዘለዎን፣ ሕንጸት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብርቱዕ ክትትል ዘድልዮ ምዃኑ እቲ ጉባኤ ብምምልካት ኣብዚ መዳይ ተራ ብፁዓን ኣቡናት ማእከል ኢዩ ከምዝበለ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.