2010-05-27 14:21:11

ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ


ክሳብ ዕለት 28 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ናይ ስድተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መበል 19 ሓፍሻዊ ጉባኤ ትማሊ ከምዝጀመረ ካብ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 ዝተመሓላለፈ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ወዲ ሰብ ካብ ቦታ ቦታ ብምንቅስቃስ ዘረጋግጾ ዘሎ ኅብረ ባህልን ኅብረ ሃይማኖት፣ ኣብ ግምት እናእተወ ዝቐርብ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝግምግምን፣ እዋናዊ ኩነት ስደተይናታትን ገያሾን ብምድህሳስ ንቶም ክፍሊ ኅብረተሰብ ዝሕንጸጽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኽሕደስን ናይ ሓባር መምርሒ ዘቕርብን ምዃኑ እንክንገር፣ ብፍላይ ድማ ስደት እናሰፍሔ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ነቶም ስደተይናታትን ገያሾን ብቐረባ ዝከታተልን ቀሪቡ ዝመያየጥን፣ ስደተያናታት ዘጓንፎም ሽግራት ዘርዚሩ ብምምያጥን መፍትሒ ቢሉ ዝኣመነሎም ነጥብታት ከቕርብ እውን ምዃኑ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣጎስቲኖ ማርኬቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ዝተፈላለያ ናይ ካቶልክ ናይ ተራድኦ ማኅበራት ዝተዋጽኡ ልኡኻት እውን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.