2010-05-27 14:19:30

ብምህዞ ጥበብ ሥነ ምርምር ዋኅዮ ምፍጣር፣ ሕይወት ምፍጣር ማለት ኣይኮነን


ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኣብ ቤተ ምርምር ብጥበብ ስነ ምርምር ተፈጢሩ ዝበሃል ዘሎ ዋህዮ ኣብ ናይ ስነ ምርምር ዓለምን ባህልን ሃይማኖትን ብዙሕ የዛረብን የካትዕን RealAudioMP3 ከምዘሎ እንክንገር፣ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ተበጽሖ ስነ ምርምር፣ ናይ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዝይግሙንት ዞሞውስኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ ሙከራን ምርምርን ተማሂዙ ዝበሃል ዘሎ ጽምረ ዋኅዮ ዝነኣድ ተበጽሖ ኢዩ። እዚ ማለት ግን ሥነ ምርምር ሕይወት ፈጢሩ ቢልካ ምዝራብ ዘይቅኑዕ ኢዩ። ተበጽሖ እምበር ምፍጣር ማለት ድማ ከምዘየስምዕን ከምዘይኮነን እውን ገሊጾም፣ ሕይወት ተማሂዙ ወይ ድማ ተፈጢሩ ማለት ኣይኮነን፣ ሕይወትን ሰብን ዝፈጥር እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ ኢሎም።

ስለዚ እቲ ተፈጢሩ ዝበሃል ዘሎ ዋኅዮ ምሕዞ ሰብ እምበር ብሰብ ዝተፈጥረ ማለት ኣይኮነን ምፍጣር ናይ ወዲ ሰብ ባህርይ ኣይኮነን፣ ወዲ ሰብ የምርት ደኣ እምበር ኣይፈጥርን ኢዩ፣ እዚ ክብል ከለዅ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ዞሞውስኪ፣ እቲ ተበጽሖ ሥነ ምርምር ንምንሻው ኣይኮነን። ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም። እዚ ዝነኣድ ተበጽሖ ሥነ ምርምር፣ ማለት ጽምረ ዋኅዮ ዘይንጽበዮ ሳዕቤን ክህልዎ ዝከኣል ኢዩ፣ ብኻልእ መዳይ ድማ ሥነ ምርምርን ሥነ ምግባርን ዘይነጻጸሉ ምዃኖም ዘዘካኽር ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ሥነ ምርምርን ተበጺሑ ዘሎ ውጽኢት ብርቱዕን ዓሚዩቕን ሥነ ምግባራዊ ክትትል ዘድልዮ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.