2010-05-27 14:18:08

ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ዕለት 26 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ትምህርቲ ክርስቶስ ቅ.ኣ.

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ መዝነት ቤት ክርስትያን ፍቅሪ ክርስቶስ ምግልጋል ኢዩ!


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ኛ ከምቲ ልሙድ ረቡዓዊ ኣስተምርሆ ትምህርተ ክርስቶስ መዝነት ቤተ ክርስትያን ፍቕሪ ክርስቶስ ምግልጋል ኢዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ ከምዝነበረ ክንገር RealAudioMP3 እንከሎ፣ ቅድስነቶም ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ወጻእን ውሽጥን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ፣ እንታይነት ክህነትን ናይ ካህን ኃላፍነትን መዝነትን ብዓሚዩቕ እንከረድኡ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣድማስ ጉስነትን ሥልጣንን ተተሓሒዞም ዝኸዱ ኢዩም ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ብዙሓት ሞትን ራዕድን ዝዘርኡ ሥርዓተ መንግሥታት ከምዝነበሩን ብኃይለ ቃል ዘኪሮም፣ ዝኾነ ይዅን ሥርዓት ኣብቲ ደረት ሰገር እንተ ድኣ ዘየማዕደወን ነቲ ልዑልን ፍጹምን ሥልጣን ብዘየገድስ ዝብል እንተድኣ ኮይኑ፣ ጸረ ፍጥረት ሰብ ክይኑ ክርከብ ናይ ግድን ኢዩ ምስ በሉ፣ እዚ ድማ እቲ ዝወሃበካ መዝነት ድዩ ሥልጣን ብዘይ ግቡእ ምጥቃምን ህርፋነ ሽመት ኮይኑ ጥራሕ ኢዩ ዝተርፍ ኢሎም።

እቲ ምሥጢረ ክህነት ዝቕበልን ካብዚ ስዒቡ ዝመጽእ መሥርዕ ማዕርግ ውልቀ መላኽነት ዘይኮነስ ንክርስቶስ ምእዛዝ ምስ ዝብል ሓድሽ ዓይነት ተኣዝዞ ኢዩ ዝተኣሳሰር፣ ር.ሊ.ጳ. ናይ ኵሎም ኣብ ጒስነት ጸዋዕታ ንዝርከቡን ንናይ ቤተ ክርስትያን ውህደት ውካሰ ኢዮም እምበር ዝደለይዎን ባህ ዝበሎምን ዝገብሩ ኣይኮኑ፣ ናይቲ ናይ ክርስቶስ ኣብ ተኣምኖተ ሃይማኖት ተመልኪቱ ዘሎ ናይ እምነት ቃል መምርሒ ዝነብሩን ዝእዘዙን፣ ናይዚ ተኣዝዞ ሓላውን ኣመሓዳርን ዓቃቢ ትምህርተ ክርስቶስን ንኽርስቶስን ንቤተ ክርስትያን ዝእዘዙ ኢዮም ኢሎም።

ከምቲ ኣብ ነቢይ ኤርሚያስ ምዕራፍ 3 ፍቕዲ 15 ዝብሎ፣ “…ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩዅም ጓሶት…” ብዝብል ድላይ ልብን ድላይንእግዚኣብሔር መሠረትን ጓሳ ኮይንካ ንኽትረክብ ድማ ምስ ክርስቶስ ኅያውን ዓሚዩቕን ዕርክነት ከተቐውም ግድን ኢዩ። እቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ዕርክነት ክርስቶስ ኣብ ምፍላጥ ዝቖመ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ናይቲ ቤተ ክርስትያን እተመሓድሮ ምሥጢረ ክህነት እንታይነት መለለይኡ ቅድመ ኵነት ብዘየብሉ ነቲ ካብ ጎይታ ዝወሃብ መጓሰይ ንምምራሕ ኣብ ኣትመርጾን ዝምቸኣካን ሥፍራ ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ንሱ ዝደልየካን ዘቐምጠካን ድላይካን ነጻነትካን ምንባር ማለት ኢዩ።

ኣብዚ ምድሪ’ዚ ንደቂ ሰባት ናብ እግዚኣብሔር ካብ ምምራሕን እምነት ካብ ምብርባርን ወዲ ሰብ ካብ ድንዛዘንን ቀቢጸ ተስፋነትን ብምንጋፍ እቲ ናይ ግልን ናይ ዓለምን ታሪኽ ዝመርሕ እግዚኣብሔር ቀረባ ምዃኑ ካብ ምትስፋው ዝዓበየ ጸጋ የሎን። እዚ ኢዩ ድማ እቲ ወሳኒ ካብ እግዚኣብሔር ዝወሃብ ዓሚዩቕ ኃላፍነት ኢሎም። ጓሳ ዝተውሃቦ መጓሰን ነቶም ዝጠፍኡ እውን መታን ክሕብሕብን ክመርሕን ድማ ህዝበ እግዚኣብሔር ምእንቲ ካህናት ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም፣ ዕለቱ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ዝዝከረሉ ምዃኑ ድማ ጠቒሶም፣ እዚ ብዝነበሮ ሕጉስ ሕይወት ዝልለ ቅዱስ ንመንእሰይ ወለዶ ዝሕብሕብ፣ ዝተፈላለዩ ንመንእሰያት ብቕዓት ዘለዎም ናይ ሕንጸት ማእከላት ኣብ ቁምስናታት ክምሥረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊጾም፣ መንሰይ ወንጌል ብግልጺ ምንባር መታን ክመሃር ናይ’ዚ ቅዱስ ኣብነት ክኽተልን ካብኡ ከማሃርን ሓደራ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.