2010-05-27 14:24:53

መንነት ኣቡን


ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበር ኅይነት ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ነቶም ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ RealAudioMP3 ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ኣብ ንዘቕርበዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሠሪዖም፣ መንነት ኣቡን ብዝብል ርእስቲ ዝተመርሔ ስብከት ከምዘቕረቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ረ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፣ ኣቡን ኣካያዲ ሥራሕ ዘይኮነስ ናብ ብርሃን ዝመርሕን ዘተባብዕን ናይ ኵሎም ኣገልጋልን ኢዩ፣ ናይ ኵሎም ኣገልጋሊ ክበሃል እንከሎ ኣብ ናይ መንግሥቲ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ጉዳያት ዝተዋፈረ በዓል ሙያ ወይ ድማ በዓል መዚ ናይ ሰብኣዊ ማህበራት ሠራሕተይና ማለት ኣይኮነን፣ ዝጓሲ ዘፍቅር ዝሓንጽን ዘጸናንዕን ምዃኑ ተንቲኖም፣ ኣርሒቑ ዝጥምት ጽኑዕን ብጥበብ ዝምራሕ ኣቦነት መንፈስ ዘለዎን ትሑትን ተኣዛዚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ምልክት ውህደት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝነበርን ዝምስክርን ደቂ ሰባት ብቓል ኣምላኽን ብሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን ዝመርሕ፣ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ተግባር ዝዋሳእ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.