2010-05-25 13:56:30

ሞስኮ፣ ርክብ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል ቀዳማይን ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ


ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ቀዳማይ ዝሓለፈ ቀዳም ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ሓድነት ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ተቐቢል ከምዘዛራረቡ ክንገር RealAudioMP3 እንከሎ፣ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሞስኮ ምስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ቀዳማይ ብሓባር ንበዓለ ጰራቅሊጦስ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝሰርዑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ቀዳማይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓመለ ኣብ ኢስታንቡል ሓዋርያዊ ብምጻሕ ከምዘካየዱን፣ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ከምእተራኸቡን እንክዝከር፣ እዞም ዝፍጸሙ ዘለው ርክባት ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ኣርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ንዘሎ ርክብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍቱን ንናይ ኦርቶዶስክ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። በዓል ጴንጠቆስጠ ናይ ሓድነት በዓል ምዃኑ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ቀዳማይ ገሊጾም፣ ኣብዚ ሰላምን ምርግጋእን ዝተሓርሞ ዓለም ናይ ኣቢያተ ክርስያን ሓድነት ንምርግጋጽ ሰላም መሠረታዊ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ከምዘመልከቱ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.