2010-05-22 14:08:08

ጭቡጥ ኩነታት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓረብ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕቡራት መንሥታት ዓረብ ቀዳማይ ልኡከ መንግሥቲ ኮይነን ንዝተልኣካ ክብርቲ ሂሳ ኣብዱላ ኣህመድ ኣል ኦታይባ RealAudioMP3 ዘቕረበኦ ናይ ሹመት ደብዳቤ ተቐቢሎም ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ፣ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓረብ ዘሎ ናይ ኣምልኾ ነጻነት ብምድናቕ ኣብ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ጉዳይ ዘተኮረ ዘረባ ከምዘስምዑ ተገሊጹ። ሕቡራት መንግሥታት ዓረብ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግሥታ ምስዳዳ ዝነኣድ ኢዩ፣ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓረብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሂንደር ገሊጾም ካብዚ ብልኡከ መንግሥቲ ደረጃ ዝፍጸም ርክብ ቤተ ክርስትያን እንታይ ኢዩ ትጽቢታ ንዝብል ካብ ራዲዮ ቫቲካን ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ እዚ ርክብ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓረብን እቲ ቅድስቲ መንበር ካብ ቀደም እተካይዶን ሕቡራት መንግሥታት ዓረብ እውን እትድግፎን ንኽካይድ እተተባብዖን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝኣመስሉ ሕቶታት ብሓባር ምይይጥ ክግበረሎም ዝብል ትጽቢት ከምዘለዋ ገሊጾም፣ ብርግጽ ኣብታ ሃገር ናይ ኣምልኾ ነጻነት ውሑስ እኳ እንተኾነ ገና ውሱን ኢዩ፣ ምስተን ናይታ ሃገር ጎረባብቲ ሃገራት ከነጻጸር እንክሎ ግን ብሓቂ ዘተባብዕ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.