2010-05-22 16:01:35

ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምእመናን ፡


አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ምእመናን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሐፈሻዊ መበል ዕስራን አርባዕተን ጉባኤ አብ ውሽጢ ቫቲካን ክካየድ ከም ዝቀነየን ሎሚ ከም ዝተዛዘመን ክምልከት ከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ አመልኪቱ።

ብፁዓን ካርዲናልት ጳጳሳት ምእመንን ከምኡ ክአ ዕድመ ዝተገብረሎም አጋይሽ አብቲ ጉባኤ ከም ዝተሳተፉ ክፍለጥ ከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነ

ነቶም ተሳተፍቲ ጉባኤ ናይ ምእመናን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ አብ ዝገበርዎ ዲስኩር ፡ ንዘተን ንምትሕብባርን ስንዱዋት ዝኾኑ ክርስትያን ናይ ፖሊቲካ ሰባት የድልዩ።

ሠረተ እምነት ክብሪ ሕይወት ክብሪ ቤተ ሰብ ምስ ጽጉማት ምትሕብባር ንልምዓት ሕብረተ ሰብ ዘቅንዔ ፖሊቲካ ከም ዘድልዪ አመልኪቶም ክአ ክርትያን ናይ ፖሊቲካ ሰባት ፈሪሐ እግዚአብሔር ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ንኽህሉ ክጽዕቱ ከም ዝግባእ ከም ዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ አገንዚቡ።

ናይ ህንጸተ ሰብ መሠረት ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ብምርዳእ አብ ሃይማኖት ክርስትና ዝአምኑ ናይ ፖሊቲካ ሰባት ምስፍሕፋሕ ፖሊቲካን ባህልን ዘይኮነስ አብ ምዕቃብ መሠረታዊ መሰል ሰባት ከድህቡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝገለጹ ይምልከት።

እምነተ ሃይማኖት ፡ አብ ውልቃዊ ቤተ ሰባዊ ማሕበራዊ ሕይወት ፍሉይ ተራ ከም ዘለዎን ምስጢርን ትሕዝቶን ሕይወት ብዓይኒ እምነት ክትርጉምዎ ተኽእሎ ከም ዘሎ አተሐሒዞም ከም ዝግለጹ ክአ ተፈሊጡ አሎ።

ቅዱስ ወንጌል ዋሕስ ሐርነትን መልእኽቲ ሰናይ ከም ዝኾነን ክርስትያን ምእመናን አብዚ ተመሪኪሶም ንሐልዮ ሰባት ክሰርሑን ከም ዘመልከቱ ክአ ተነጊሩ።

አብ ፖሊቲካ ዝተዋፈሩ ምእመናን አብ ትምህርተ ሞራል ቤተ ክርስትያን ተጸጊዖም አብ ዝንቀሳቀስሉ ርሕራሔ ምትሕብባር ዝተሸገረ ማሕበረሰብ ምርዳእ ንሰላም ምስራሕ አብ ዝአመሰሉ ጉዳያት አብነት ክኸኑ ከም ዝግባእ ክአ ከም ዘመልከቱ ተፈሊጡ አሎ።

አብ ሕብረተ ሰብ መሰኻኽር ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱስ ወንጌልን ምዃን ጥዕና ዘለዎ ሕብረሰብ ንክትሀንጽ ከም ዝሕግዝ ትርጉም ህልውና ወዲ ሰብ አብ ምድሪ ከተረድእ ከም ትኽእል ከም ዘመልከቱ ክአ እቲ መግለጺ ቅድስቲ መንበር አገንዚቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ረፍዲ ንአባላት ማሕበር ተግባረ ሚስዮናውያን ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ተፈሊጡ አሎ።

አብዚ እዋን’ዚ መልእክተ ሰና ቅዱስ ወንጌል ዘይበጽሖ ህዝቢ ከይህሉ ብምሕሳብ አብ ልLኦሊ ኹሉ ምእንቲ ብርሃን ክወርድ ሚስዮናውያን ማለት ልኡካነ ቅዱስ ወንጌል አብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ቃለ ቅዱስ ወንጌል ከምብሐዲሽ ክንገር ከም ዘድሊ ከም ዝገለጽሎም ነቲ ርክብ ዝተኸታተለ ናይ ቫቲካን ዜና አገልግሎት አመልኪቱ።

አብዚ ወዲ ሰብ ንእግዚአብሔርን ንስርሑን ከቁናጽብ ዝፍነሉ ዘሎ ግዜ’ዚ ቅዱስ ወንጌል እንደገና ክንገረሉ ዘለዎ ግዜ ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘመልከቱ እቲ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ቤተክርስትያን ወትሩ ዜና ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ንዘርኢ ሰብ ክተርድእ ክትነግር ክትሰብኽ ከም ዘለዋ ክአ አተሐሒዞም ከም ዝገለጹ እቲ ዜና አገንዚቡ።

ስብከት ቅዱስ ወንጌል ካብ ስስዔ ዝርሐቀ አብ ሕድሕድ ምትሕብባር ዝተመርኮሰ ፍትሐዊ ሕብረተ ሰብ ንምህናጽ ከም ዝረድእ ብምምልካት ክአ ህልውና ቤተ ክርስትያንን አባላታን ንዘርኢ ሰብ ህልውና እግዚአብሔርን ዘለዓለማዊ ሕይወት ከም ዘሎ ንምስባኽን ንምንጋርን ከም ዝኾነ ንአባላት ማሕበር ተግባረ ሚስዮናውያን ከም ዝግለጹሎም ተፈሊጡ አሎ።

አብ ተልእኾ ክርስቶስ ዝተዋፈረን አሰሩ ዝተኸተለን ከምቲ ንሱ አብዚ ዓለም’ዚ ከሎ ዝገጠሞ ስቃይን ውርደትን ተቃውሞን ከም ዝገጥሞ ብስማዕትነት ክሐልፍ ከም ዝኽእል ክአ ከም ዘገንዘቡ ይምልክት።

ዓውደ ስብክተ ቅዱስ ወንጌል ብጸሎትን ተጋድሎን ዝተሰነየ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ ቃለ እግዚአብሔር ከብጽሑ ብስማዕትነት ዝሐለፉ ብጹዓን ከም ዝኾኑ ከም ዘመልከቱ ተነጊሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.