2010-05-22 16:04:35

አብ ኩባ ንነጻነት እሱራት ፖሊቲካ ዘተኮረ ዘተ ተኻይዱ፡


ሰበ ሥልጣናት መንግስቲ ኩባን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ናይ ፖሊቲካ እሱራት ክፍትሑ ብዚምልከት ርእሰ ጉዳይ አብ ርእሰ ከተማ ሃቫና ክም ዝዘተዩ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አረዲኡ ።

በዚ ካብ ሃቫና ዝመጸ ዜና መሠረት ፡ ናይ ሃቭና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኻይመ ኦርተጋ አላሚኖ ናይ ሳንትያጎ ዘ ኩባ ሊቀ ጳጳስን ናይ ረኪበ ጳጳሳት ዋና ጽሐፊ ብፁዕ አቡነ ዲዮኒስዮ ጋርሲያ ንቤተክርስትያን ወኪሎም ምስ ናይ ኩባ መራሕ መንግስቲ ምስ ፕረሲዳንት ራውል ካስትሮ አብ ስሰልፊ ኮሚስቲ ኩባ ናይ ሃይማኖት ጉዳያት ካሪዳድ ዲየጎ ተራኺቦም ብፖሊቲካ ምኽንያት ተአሲሮም ዘለዉ ዜጋት ኩባ ነጻ ንኽወጹ ዘተክረ ዘተ አካይዶም።

አባላት ቤተክርስትያን ኩባ ብፖሊቲካ አብ ቤት መቁሕ ዝርከቡ ዜጋታት ኩባ ነጻ ክወጹ ንሰበ ንመራሕቲ መንግስቲ ኩባ ከም ዝሐተትዎምን መራሕቲ መንግስትን ንሳቶምን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ነርባዕተ ሰዓታት ከም ዝዘተዩን አውንታዊ ርክብ ከም ዝነበረን እንድገና ከም ዝራኸቡን እዚ ካብ ሃቫና ዝመጸ ዜና አገንዚቡ።

ብፁዕ ካርዲናል ኻየመ ኦርተጋ ሊቀ ጳጳስ ሃቫና ከም ዝመልክትዎ ፡ እቲ ርክብ ንርእሱ ሐዲሽ ፍጻሜ ከም ዝኾነ መልኪቶም ፕረሲዳንት ራውል ካስትሮ ብፖሊቲካ ዝተአስሩ ነጻ ክወጹ ዝብል ሐሳብ ንሃገራዊ ዕርቂን ሰላምን ከም ዝህግዝ ከም ዝተገንዘቡ አረዲኦም ።

እቲ አብ መንጎ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኩባን መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ዝተኻየደ ርክብ ቀጻሊ ከም ዝኾነ እሱራት ፖሊቲካ ነጻ ክወጹ ዓቢ ተስፋ ከም ዘሎን ብፁዕ ካርዲናል ኦርተጋ ከም ዘመልከቱን ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

ናይ ኩባ መራሕ መንግስቲ ዝነበሩ ፊደል ካስትሮ ብዕድመን ዋሕ







All the contents on this site are copyrighted ©.