2010-05-22 14:06:37

ቅ.ኣ.ር.ሊ.፣ ንእዋናዊ ሕቶታት ብብቕዓት ዝብድሕ ሓቀይና ሰብኣዊ ምዕባለ


ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ኣብ መንጎ ካቶሊክ ቤተ ክርስያንን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ ንምትብባዕ ኣሚቶም RealAudioMP3 ዘነቓቕሕዎ መዓለቲ ናይ ሩሲያ ናይ ሥነ ባህልን ሥነ መንፈሳውን ውርሻ ኣብ ቫቲካን ተኻይዱ።

እዚ ናይ ሩሲያ ባህልን ሃይማኖትን ዘማእከለ መዓልቲ ብዓወደ መጽናዕቲ ተሰንዩ ከምእተኻየደን ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ሞስኮን ናይ መላእ ሩሲያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ቀዳማይ ንኽብሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘወፈይዎ ብሳን ፒየትሮቡርጎ ኦርኬስትራ ብዘቕረቦ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ከምእተዛዘመ ተሓቢሩ። ኣቲ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ቅድሚ ምቕራቡ ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ንናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያ ፓትሪያርክ ናይ ወጻኢ ጉዳይን ርክባትን ሊቀ መንበር ሜትሮፖሊታ ሂላሪዮን ልፊቭ ካብ ብፁዕ ቀዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ቀዳማይ ንቕዱስ ኣቦና ዝተልኣኸ መልእኽቲ ከምዘንበቡ እንክንብገር፣ ሜትሮፓሊታ ሂላሪዮን ባህሊ ሩሲያ ሰባኬ ወንጌል ከምዝኾነን፣ ብሕልፊ ድማ ኣብቲ ኅላዌ እግዚኣብሔር ዝኽሕድ ሥነ ኣልቦ እግዚኣብሔርነት ዝኣምን ሥርዓት ኣብ ዝሰፍሓሉ እዋን ቤተ ክርስትያን ሩሲያ ዝከፈለቶ መሥዋዕቲ ኅያው ምዃኑ ብምትንታን፣ ካቶሊክን ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ከም ተወዳደርቲ ዘይኮነስ፣ ኪዳናዊ ምትእስሳር ገይረን ሥድራ ቤትን ናይ ሕይወት ባህልን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ንኽኽበር ክተግሃን፣ ኤውሮጳ ካብቲ ወዲቓትሉ ዘላ ናይ መንነት ቅልውላው ኃዋሁ ንኽትላቐቕ ደገፈን ከቕርባ ሓደራ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ምርኢት ሙዚቃ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኤውሮጳ ብናይ ምዝካር ክእለት ምጥፋእ ሕማም ዝተጠቕዔት ከምእተመስልን እዚ ድማ እቲ ካብ ክርስትና እምነት ዝፈልፈለ ሕጂ እውን ልዑል ክብሪ ዘለዎ ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ስነ ጥበባትን ስነ ፍልጠንት ዝዝትይን ሥነ ምሓዚነትን ናይ ወዲ ሰብ ተውህቦ ዝኾነ ልዑል ብልሓት ዝድግፍን ዘነቓቕሕን ፍሉይ ውርሻታታ ብምርሳዕ እተርእዮ ዘላ አነባብራ ከምዘሕብሮ ኣረዲኦም። እዚ መበቆል ባህሊ ኣብ ምዕራብን ምሥራቕን ነቶም ዘጋጥሙ ዘለዉ ንኣብነት ናይ ተዛማድነትን ካብ እዚኣብሔር ዝንጽል ባህልን፣ እግዚኣብሔርን መደባቱን ሸለል ቢሉ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ንኽከሓዱ ዝድርኹን ናይ ውልቂ ረብሓታት ዘተባብዑ መምርሕታት ጥራሕ ዝምራሕ ኅብረተሰብ ዘቓቕሑ ዝኣመሰሉ ሓድሽቲ መስቀለይና ብድሆታት፣ ንምግጣምን መልሲ ንምሃብ ዘብቅዕ ካብ እምነት ክርስትና ዝምንጭ ሓድስ ሰብኣዊነትን ሓድሽ ምዕራፍ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ክስትያናዊ መበቆል ኤውሮጳ ኅያውን ፍርያማን ኢዩ ኢሎም።

ኤውሮጳ ተመሊሳ በቲ ናይ ሽሓዊ ተመኩሮ እምነት ክርስትና ዝተመርኰዘ ንኣመንቲ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ሕዝቢ ኤውሮጳ ተኣማማንነትን ተስፋን ዘልብስ መንፈስ ዳግም ክረጋገጽ ኣተባቢዖም፣ ምእንቲ’ዚ ለጋሥን ተባዕን ቃልን ሕይወትን ዘጣመረ ጥርኑፍ ምስክርነት ኣመንቲ፣ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለምታይሲ ብሓባር ናይ ሓባር መጻኢ ንምጥማት መታን ክከኣል፣ ነጻነትን ክብሪ ሰብን መሠረታዊ ክብርን ናብቲ ደረት ሠገር ዝኾነ እግዚኣብሔር ክፉት ክኽውን ማለት እቲ ናይ ወዲ ሰብ ቀዋሚ ኣድማስ ናይ ዝኾነ ናይ እምነት ተመኵሮ ዓቢ ዋጋ ክወሃቦ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም።

ሙዚቃ ንሓድ ሕድካ እትነጻጸረሉን እትዝትየሉን ዘጣምርን ዝሓለፈውን ዘሎን ዘራኽብን ምዃኑ ድም ብምትንታን ምእንቲ ክብሮም ካብ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ቀዳማይ ብናይ ሩሲያ ብሔራዊ ጉጅለ ሙዚቃ ዝቐረበሎም ናይ ሙዚቃ ምርኢት ህያብ ብምምስጋን ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ቀዳማይ ንናይ ክርስትያ ሓድነት ንኽረጋገጽን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ሰላም ክሰፍንን ብሓባር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝህብዎ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ብምጥቃስ ምስጋና ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.