2010-05-22 14:09:48

ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና፣ ኅብረተሰብ የተባብዕ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 4 ሰነ ክሳብ ዕለት 6 ሰነ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቆጵሮስ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ኣብ ቆጵሮስ ናይ ቅዱስ ኣቦና መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ RealAudioMP3 ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ሊቀ መንበር ናይ ማሮናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፍ ሱኤይፍ ምስ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንቆጵሮስ ዝበጽሑ ፈለማ ር.ሊ.ጳ ከምዝኾኑ ድማ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ዘተን ሰላምን ፍትሕን ዘነቓቕሑን ዘተባብዑን ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ሱኤይፍ ገሊጾም፣ እቲ ኣብ ቆጵሮስ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ኣብታ ሃገር እዞም ክቡራት ዋጋታት ዘነቓቕሕን ዘበርትዕን ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ሕዝቢ ቆጵሮስ ንቕዱስ ኣቦና ብዓቢ ሓንቀውታ ይጽበይ ከምዘሎን፣ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንሕዝብን ሃገርን ምእመናንን ዓቢ ቡራኬ ኢዩ ኢሎም።

ካብ መላእ ብዝሒ ሕዝቢ ቆጥሮስ ናይ ግሪክ ሥርዓት እተኽተል ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስያን 80 ካብ ሚእቲ ከምትሽፍን ድማ ገሊጾም፣ ስዒቦም እቶም ዝበዝሑ ቱርካውያን ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ ብሳልሳይ ደረጃ ኣርመናውያን ካቶሊክን ናይ ማሮናዊ ሥርዓታ እትኸተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምእመናን ከምዝኾኑ ሓቢሮም፣ እዚ ጭቡጥ ማኅበራዊ ኩነት ሰላም ዝዓሰሎ ኅብረ ሃይማኖትን ኅብረ ባህልን ምንባር ከምዝከኣል ዝምስክር ኢዩ ከም ዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.