2010-05-20 14:33:25

ናይ ሩስያ ናይ ሥነ ባህልን ሥነ መንፈሳውን መዓልቲ


ኣብ ቫቲካን ኣብ መንጎ ካቶሊክ ቤተ ክርስያንን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ ንምትብባዕ ዝዓመተ ናይ ሩሲያ ናይ ሥነ ባህልን ሥነ መንፈሳውን ውርሻ መዓልቲ ትማሊ RealAudioMP3 ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።

እዚ ናይ ሩሲያ ባህልን ክርስትናን ዘማእከለ መዓልቲ ዝምልከት ዓወደ መጽናዕቲ እውን ይካየድ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ እዚ መደብ ሎሚ ብናይ ሮማ ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሹዱሽተ ድሕሪ ቐትሩ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ሞስኮን ናይ መላእ ሩሲያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ቀዳማይ ንኽብሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብሳን ፒየትሮቡርጎ ኦርኬስትራ ዝቐርብዎ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ክዛዘም ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ብምርግጋጽ፣ ሎሚ ንጎሆ ናይ ሞስኮ ፓትሪያርክ ሜትሮጶሊታ ሂላሪያኦን አልፊቭን ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐርን ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጃንፍራንኮ ራቫዚ ዝተሳተፍሉ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ክምእተውሃበ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።

ብዛዕባ እዚ መደብ ናይ ሩሲያ ሥነ ባህልን ሥነ መንፈሳውን መዓልቲ ኣመልኪቶም ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐርን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ዓወደ መጽናዕቲ ንናይ ክርስትያን ሓድነት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕን እቲ ርክብ ዘጽንዕን ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ መንጎ ምዕራብን ምሥርቕን ሎሚ ዝተሰግረ ዘሕዝን ታሪኽ ተራእዩ ኢዩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለምና እናሰፍሔ ብዝኸይድ ዘሎ ነቲ ናይ ክርስትና እምነት ዝንጽል ሓድሽ ባህሊ ምኽንያት ክቀራረባን በቲ ዘለወን ክርስትያናዊ ባህለን ንኽትሓባበራ የተባብዔን ኢሎም፣ ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ምሥራቕ ወይ ድማ ምሥራቕ ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ዘይኮነስ ናይ ሓባር ምክብባርን ምቅብባልን ዘማእከለ ብሓባር ባህለን ብምርኻብ ሥነ ባህላዊ ሃብቲ ከረጋግጻ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም ክርስትያናዊ ባህለን ብሓባር ክምስክራ እቲ ብዙሕ ግዜ ሸለል ዝበሃል ክርስትና መሠረት ባህሊ ኤውሮጳ ብሓባር ንኽምስክራኦ ዘተባብዕ እውን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.