2010-05-20 16:32:04

ብፁዕ አቡነ ዚምውስኪ አብ ጀነቭ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ጉባኤ ተሳቲፎም ፡

 


አብ ስዊስትጸርላንድ አብ ከተማ ጀነቭ ዓለም ለኸ መበል ስሳን ሰለስተን ጉባኤ ሐለዋ ጥዕናይካየድ ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ፡ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ክንክን ጥዕና ሰብ ሙያታት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ አቡነ ዚግሙንት ዚሞውስኪ አብቲ ጉባኤ ያስተፉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ አሎ።

ብፁዕ አቡነ ዚግሙንት ዚሞውስኪ አብቲ አብ ስዊትጸርላንድ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሐለዋ ጥዕና ተረኸቦም ከም ዘመልከትዎ ፡ ንድኻታት ሀገራት ንክንክን ጥዕና ዝውሃብ ኤኮኖምያዊ ሐገዝ አብ ትርፊ ዝተመርኮሰ ካብ ምዃን ነጻ ክኽወን ይግባእ።

ካብ ምዕባሌ ድሕሪት ዝተረፋን አብ ምምዕባል ዝርከባን ሀገራት ዘሎ ሕማማት ፡ ሕማም ኤይድስ ሕማም ዓሶ ሕማም ዓቢ ሰዓል ንምግታእ ዝካየድ ቃልሲ ክዕወት እቲ ነተን ሀገራት ዝውሃብ ኤኮኖምያዊ ሐገዝ ንጹርን ነቲ ሕማም ንምግታእ ዝአመተን ክኸውን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዚግሙንት ዚሞውኪ ነቲ ጉባኤ ከም ዘተሐሳሰቡ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ።

ናብተን ድኻታት ሀገራት ሕማም ንምግታእ አብ ክንዲ ኤኮኖምያዊ ሐገዝ ዝግበረለን ንምንጻል ጽንሲ ዝጠቅምን ኮንዶምን ክልአከለን ከም ዝርኤ ዘመልከቱ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዚሙንት ዚሞውስኪ እዚ ብቅድስቲ መንበር ተቀባልነት ከም ዘይብሉ ከም ዝገለጹ እቲ ዜና አመልኪቱ።

አተሐሒዞም ። ካብ ድቂ ክሳብ ባሕርያዊ ሞት ሕይወት ሰብ ክዕቀብ ከም ዝግብኦ አመልኪቶም ክአ

አብ ክንዲ ንዕንወት ንሕይወት ሐገዝ ክግበር አብ መንጎ ድኻታትን ሀብታማትን ሀገራትን ሰብአዊ ምትሕብባር ክህሉ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ። ርክብ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሀገራትን ድኻታት ሀገራትን ቅጥዒ ዘይብሉ ንመኽሰብ ዝአመተ ሞራል አልቦ ርኽብ ክኸውን ከም ዘይብሉ ክአ ከም ዘመልከቱ ይገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.