2010-05-20 14:38:04

ማድሪድ፣ 2011 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት


ነቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ማድሪድ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ድሮ ምስናዳዋት ይካየድ ከምዘሎ እንክሕበር፣ ኣብዚ መደብ ምስንዳዋት ክሳተፉን ኣስተዋጽኦ RealAudioMP3 ከበርክቱ ዘነቓቕሕ ኣነ ወለንተይና ኢየ ንስኻ ኸ? ብዝብል መሪሕ ቃል ሕቶ ዝተሰነየ ጎስጓስ ከምእተጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ።

ኣብዚ መደብ ምስናዳዋትን እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዝካየደሉ ግብረ ሠናይ ኣብ ምቕራብ መደብ ዝሳተፉ ወለንተይናታት ድሮ ይምዝገቡን ይዋፈሩን ከምዘለዉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ፣ ጸጥታ ኣብ ምርግጋጽ ክዋስኡን እቶም ወለንተይናታት ካብ ውሽጢ ሃገር ስፐይንን ወጻእን ዝተዋጽኡ እውን ከምዝኾነን ክንገር ኣንከሎ፣ ኣብቲ መደብ ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእሰያት ልዕሊ 2 ሚሊዮን ዝግመቱ መንእሰያት ክሳተፉ ኢዩም ዝብል ግምት እውን ከምዘሎ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.