2010-05-18 14:28:19

ጽሑፋትን ኣስተምህሮን ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ክሪል


ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣስተምህሮታትን ጽሑፋትን መልእኽትታትን ነጻነትን ኃላፍነትን፣ ኣብ ምንዳይ ስኒትን፣ RealAudioMP3 ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ብዝብል ኣእርስቲ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ንሕትመት ዝበቕዔ መጽሓፍ ትማሊ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ተገሊጹ።

ናይቲ መጽሓፍ መእተዊ ዝደረሱ ጳጳሳዊ ናይ ሥነ ባህሊ ጉዳይ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጃንፍራንኮ ራቫዚ፣ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክረጋገጽ ብዙሕ ኣብ ዝጸዓረሉ ዘሎ ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን መሠረታዊ ትርጉሙ ብዙሕ ዘይፍሉጥ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎን እዚ ድማ ሓላፍነት ዘየለብስ ዘይቐጥዓዊ ሕይወት ምንባር ማለት ነጻነት ማለት ምዃኑ ዝስበኸሉን ናይ ካልእ ነጻነት ዘይምትንካፍ ነጻነትካ ድማ ምንባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ልዑል ትርጉም ተገይሩ ጉጉይ ትርጉም ነጻነት ዝስበከሉን ዝንበረሉን ምዃኑ ከምዘመልከቱ ይንገር።

ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ዲዮኒጂ ተታማንዚ ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ተረኺኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ናይታ መጽሓፍ ቀንዲ መልእኽቲ ንናይ ኣቢያተ ክርስትያናት ሓድነት ንምርግጋጽ ንዝግበር ጻዕሪ ዘተባብዕ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቡሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.