2010-05-18 14:24:04

ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጎዕዞ


ከምቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ኢጣሊያ ካብ ፐሩጃ ነቒሉ ኣብ ኣሲዚ ዝዛዘም መደብ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጎዕዞ መሠረት ናይ 2010 ዓ.ም. ቅድሚ ትማሊ ከምእተኻየደን ኣብ ኣሲዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነን ናይ ኣሲዚ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ሰላም መደብ ኣመልኪቶም ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ተነቢቡ ከምእተዛዘመ ተሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስድራ ቤት፣ ኣብ ማኅበርሰብን ኅብረተሰብን ኣብ መላእ ዓለምና ሰላም ክረጋገጽ እዚ በቢ ዓመቱ ካብ ፔሩጃ ክሳብ ኣሲዚ ዝካየድ ክርስትያን ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዝሳተፍሉ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ፣ ጭቡጥ ምስክርነት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ቡራኬኦም ብምቕራብ፣ ናይ ሰብ ናይ ሰላም ምንዮት በማልድነት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ክረጋገጽ ብምጽላይ መልእኽቶም ከምዝደምደሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.