2010-05-18 14:26:59

ቅዱስ ቁርባን ኣብ ፍልልይ ውህደትን ሓድነት ዘጽንዕ ሓይሊ ኢዩ


ኣብ ብራዚል ናይ ከተማ ብራዚሊያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዥዋው ብራዝ አቪዝ ኣብቲ ዕለት 13 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍልዩ ልኡኽ ናይ ካህናት ጉዳይ RealAudioMP3 ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ብዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ዝተከፍተ ዕለት 16 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኣብ ዝተዛዘመ መበል 16 ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ተረኺቦም ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ፣ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ፍልልይ ውህደትን ሓድነት ዘጽንዕ ሓይሊ ኢዩ ከምዝበሉ እንክዝከር፣ እዚ ቅዱስ ቁርባን፣ ናይቶም ልኡኻት ሓዋርያት ናይ ሓድነት መግቢ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ከምዝነበረን፣ ብፁዕነቶም እቲ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን፣ ኅብረተሰብ ናብቶም ልዑላት ክብሪ ዋጋታት ምትሕብባርን ምትሕስሳብን ማኅበራዊ ፍትሕን ኅብረሰብኣዊ ሕውነት ዝብሉ ከድህብ መታን ዝድግፍን ዘነቓቕሕን ከምዝነበረ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ልኡኽ ጋዜጠይና ሲልቮነይ ፕሮትዝ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ቁርባን ልቢ ደቡብ ኣሜሪካ ዝበለዎ ሓሳብ መሠረት ዝገበረ ጉባኤ ከምዝነበረን ማእከል ሕይወት ወዲ ሰብ ቅዱስ ቁርባን እንተድኣ ኮይኑ እቶም ልዑላት ዝበሃሉ ናይ ሕይወት ክብሪ ዋጋታት መሠረት ምንባር ውሑስን ዝተረጋገጸ ኢዩ ኢሎም።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦናን ቃል ብፁዕ ካርዲናል ሁመስን ነቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ቅርጺ ከምዘትሓዞን ከምዝመሰጠን ሓቢሮም፣ ቅዱስ ቁርባን ትርጉም ምንባርን ናይ ህላወ መሠረትን ኢዩ፣ ስለዚ’ዩ ድማ ቅዱስ ኣቦና፣ ቅዱስ ቁርባን ልቢ ኢዩ ዝበልዎ ኢሎም። ጥበብን ሓይልን ብርሃንን እንረኽበሉን ንተልእኾን ጸዋዕታን ዘጽንዕን ሸቶኡ ክወቅዕ ዝገብር ምሥጢር ኢዩ፣ ኣብዚ ቅዱስ ቁርባን ናይቲ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽ ዝኾነ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርቶስ ብሓቂ ሥጋን ደምን ናይ ማርያም ሱታፌ እንታይ ምዃኑ ቅዱስ ቁርባን ብሥነ ማርያም ዝትንትን ብፁዕ ካርዲናል ሁመስ ዘቕረብዎ ዓሚዩቕ ቲዮሎጊያዊ ኣስተምህሮ ቅዱስ ቁርባን መሠረት ሕይወትን ርክብናን ማኅበራዊ ናብራናን ዝልውጥን ዝሕድስን ዘተባብዕን ፍቕርን ኣገልግሎትን ተተሓሒዞም ክኸዱ ዝድርኽን ከም ፍቓድካይ ንኽንልብ ዘብቅዓና ኃይሊ ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.