2010-05-18 14:25:27

መሰኻኽር ክርስቶስ ኣብ ናይ ፖለቲካ ማኅበርሰብ


ንዓለማውያን ምእመናን ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መሰኻኽር ክርስቶስ ኣብ ናይ ፖለቲካ ማኅበርሰብ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ብዛዕባ ካቶሊካውያን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣገልግሎትን ተልእኾን እንታይ RealAudioMP3 ክመስል ከምዘለዎ ዝዝትይ መበል 24 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 20 ግንቦት ክሳብ ዕለት 22 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ነቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዘረባ ዝኸፍቱ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒዝላው ርይልኮ ከምዝኾኑን፣ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፈሶር ሎረንዞ ኦርናጊ፣ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሥነ ባህሊ ኮሚቴ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ካሚሎ ርዊኒ፣ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቛም ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ፣ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቃስ መሥራቲ ናይ ሥነ ታሪኽ ሊቅ ኣንድረያ ሪካርዲን ናይቲ ንዓለማውያን ምእመናን ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ፕሮፈሶር ጉዝማን ካሪኵይርይ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖምን ዕለት 21 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኩሎም ተጋባእያን ብብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ተሰንዮም ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡ ምዃኖም ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ የመልክት። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጵሳት ሓምሻይ ጉባኤን ኣብ ሊስቦና ምስ ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ተራኺቦም፣ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን በሳል ዓለማውያን ምእመናን ክሕሉዉ ዝሓትትን ሰብ ሙያ ናይ ፖሊቲካ ኣካላት ምሁራትን ጋዘጠይናታትን ብጠቅላላ ኵሉ በቢ ጸዋዕታኡ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ክዋሳእን ምእንቲ’ዚ በሳል ኮይኑ ክርከብን ሓቀይና ናይ ክርስቶስ መሰካኽር ምዃንን ድምጺ ዘይብሉ እምነት ክንበር ንዝድርኽ ፈተና ብምስናፍ ክርስትናኡ ከበሥርን ክነብርን ምስ ክርስትያን ምዃኑ ዝሰማማዕ ተግባር ክፍጽም ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩ ንዓለማውያን ምእመናን ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ ብምዝኽኻር፣ እቲ ጉባኤ ዕለት 22 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ናይቲ ጳጳሳቲ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ አቡነ ጆሴፍ ክለመንስ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዕዮ ዝግምግም ጸብጻብ ብምቕራብ ቀጻሊ መርሃ ግብሩ እንታይ ምዃኑ ክሕብሩ ምዃኖም እቲ መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.