2010-05-18 15:34:58

ሐጎስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ረፍዲ አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ናይ ከተማ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስን ናይ ኢጣልያ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበርን ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ አብ ቤት ጽሕፈቶም ተቀቢሎም አዘራሪቦም ።

እዚ አብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮን ዝተኻየደ ርክብ ድሕሪ’ቲ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንምድጋፍን ምስኦም ምትሕብባርን ዝዓለመ ክልተ ሚእቲ ሺሕ ህዝቢ ዘሳተፈ ፍጻሜ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።

ነቲ ብክልተ ሚእቲ ሺሕ ዝግመት ህዝቢ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተረኽበን ድጋፍን ምትሕብባሩን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘርአየ ህዝቢ ዘሰናደወን ዘተሐባበረን ናይ ኢጣልያ ምእመናን መማኽርተ ጉባኤ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ።

ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ ድሕሪ’ቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዘካየድዎ ርክብ መግለጺ ክህቡ ከለዉ ከም ዘመልከትዎ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ በቲ ዝተግብረሎም ናይ ምድጋፍን ምትሕብባርን ትዕየንተ ህዝቢ ብዙሕ ከም ዝተሐጎሱን ተስፋ ዝህብ ክርስትያናዊ ምልከት ከም ዝኾነን አመልኪቶምሎም።

በቲ ካቶሊካዊ ህዝቢ ኢጣልያ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘርአዮ ፍቅሪ ዝመልኦ ናይ ምትሕብባርን ናይ ደገፍን መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አዝዮም ከም ዝተሐጎሱ ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተአከበ ህዝቢ ከም ዝገለጽሉ ዝዝከር ኢዩ ።

ቀጺሎም ክአ ሐጢአት እቲ ዝዓበየ ጸላኢ ቤተክርስትያን ከም ዝኾነ ጠቂሶም አብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ንሥሐን ጸሎትን አተንትኖን ከም ዘድሊ ከም ዘገንዘቡ ይፍለጥ።

ሐጢአት ካብ እግዚአብሔር ዘርሕቀካ ብአምሳል እግዚአብሔር ከም ዝተፈጠርካ ዘረስዓካ እኩይ ተግባር ከም ዝኾነ ብምግላጽ ክአ ምስቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተአከበ ህዝቢ ምእንቲ ቤተክርስትያን ብሐባር ከም ዝጸለዩ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ብናይ ኢጣልያ ምእመናን መማኽርተ ጉባኤ ዝተዳለወን ዝተወሃሀደን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተገብረ ናይ ምድጋፍን ምትሕባባርን ፍቅሪ ዝዓሰሎ ትዕየንተ ህዝቢ ናይ እምነት ሐይሊ ከም ዘርኢ ናይ ከተማ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳን ናይ ኢጣልያ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበርን ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ አመልኪቶም አለዉ።

ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ ከም ዘመልከትዎ ህዝቢ ኢጣልያ መንበረ ሓዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ አብ ሀገሩ ብምዃኑ ዕድለኛ ኢዩ፡ አብዚ ግዜ፡ዚ ተአኪቡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሀቦ ድጋፍን ዘርአዮ ምትሕብባርን ክአ ዝምስገን ካቶሊካዊ ተገባር ከም ዝኾነ አመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.