2010-05-15 14:50:07

ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ፣ ናይ ስደተይናታት ክቡር ዋጋ ባህሊ ክብሪ ክወሃቦ


ኣብ ሙኒክ ቤተ ክርስያን ቅዱስ ሚካኤል ንመዓልቲ ሓገራት ኤወሮጳ ዝዓርገ መሥዋዕተ ቕዳሴ ዝመርሑ ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፔስትን ሊቀ ጳጳስ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪታት ኅብረት RealAudioMP3 ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣብ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ዘተኮረ ከምዝነበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ፣ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ምብሣር መደብ ድሕነት ኣምላኽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ መደብ ኣምላኽ ንምስፋሕ ቤተ ክርስትያን እተካይዶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንዝተፈላለየ ክፍሊ ኅብረተሰብ ዘተኮረ ከምዝኾነን ካብዚ መደብ ዝንጸል ማንም ከምዘየለ ኣረዲኦም፣ ናይ ኅብረ ባህሊ ክቡር ዋጋ እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ተንቲኖም፣ ስደተይናታት ከም ኩሉ፣ ሰብ ባህሊ ኢያቶም፣ ስለዚህ ነቲ ክቡር ዋጋ ባህሉ ክብሪ ምሃብ የድሊ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ናይ ዝተፈላለያ ባህልታት ቲዮሎጊያዊ ትርጉሙ እንታይ ከምዝመስል እንከረድኡ ኣብ ኩለን ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ስደተይና ይሃሉ ኣይሃሉ ንስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮት ዘተኮረ መደብ ክህሉ ግድን ኢዩ ፣ ባህልታት ብወንጌል ክስበኹን ክልወጡን ነቶም ባህልታት ቀሪብካ ምፍላጥ ከምዘድልን፣ ባህልታት ክርድኦኦ ብዝኽል ቃለ ወንጌል ክብሠር ኣለዎ ቢሎም፣ ናይ ጀርመን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብዚ መዳይ እተበርክቶ መንፈሳዊ ሰብኣዊ ኣስተዋጽኦ ዝነኣድ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.