2010-05-15 14:46:29

ቅዱስ ቁርባን ኣብ ፍልልይ ውህደትን ሓድነት ዘጽንዕ ሓይሊ ኢዩ


ኣብ ብራዚል ናይ ከተማ ብራዚሊያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዥዋው ብራዝ አቪዝ ኣብቲ ቅድሚ ትማሊ ዝተከፍተ መበል 16 ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ተረኺቦም ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ፣ ቅዱስ ቁርባን RealAudioMP3 ኣብ ፍልልይ ውህደትን ሓድነት ዘንጽንዕ ሓይሊ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ። እዚ ቅዱስ ቁርባን፣ ናይቶም ልኡኻት ሓዋርያት ናይ ሓድነት መግቢ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍልዩ ልኡኽ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ብዘስምዕዎ ዘረካብ ከምዝኾነ ኣንክንገር፣ ብፁዕነቶም እቲ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን፣ ኅብረተሰብ ናብቶም ልዑላት ክብሪ ዋጋታት ምትሕብባርን ምትሕስሳብን ማኅበራዊ ፍትሕን ኅብረሰብኣዊ ሕውነት ዝብሉ ከድህብ መታን ዝድግፍን ዘነቓቕሕን ክኸውን ከምዘለዎ ብምትሕስሳብ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ቁርባን ልቢ ደቡብ ኣሜሪካ ዝበለዎ ሓሳብ መሠረት ዝገበረ ጉባኤ እውን ከምዝኾነ ዘኪሮም፣ ማእከል ሕይወት ወዲ ሰብ ቅዱስ ቁርባን እንተድኣ ኮይኑ እቶም ልዑላት ዝበሃሉ ናይ ሕይወት ክብሪ ዋጋታት መሠረት ምንባር ዝተረጋገጸ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ብራዚይሊያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡበ ዥዋው ብራዝ አቪዝ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበረዎ ቃለ ምልልስ፣ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦናን ቃል ብፁዕ ኻርዲናል ሁመስን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ቅርጺ ከምዘትሓዘን ከምዝመሰጠን ሓቢሮም፣ ቅዱስ ቁርባን ትርጉምን መሠረት ምንባርናን ናይ ህላወ መሠረት ኢዩ፣ ስለዚ ኢዩ ድማ ቅዱስ ኣቦና፣ ቅዱስ ቁርባን ልቢ ኢዩ ዝበሉ። ጥበብን ሓይልን ብርሃንን እንረኽበሉን ንተልእኾን ጸዋዕታን ዘጽንዕ ሸቶኡ ክወቅዕ ዝገብር ምሥጢር ኢዩ፣ ቅዱስ ቁርባን ናይቲ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽ ዝኾነ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርቶስ ብሓቂ ሥጋን ደምን ኢዩ፣ መሠረት ሕይወትን ርክብናን ማኅበራዊ ናብራናን ዝልውጥን ዝሕድስን ዘተባብዕን ፍቕርን ኣገልግሎትን ተተሓሒዞም ክኸዱ ዝድርኽ ኢዩ።

እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ኅብረ ሃይማኖትን ኅብረ ባህልን እዚዩ ዝረኣየሉ ናይ ዓለማዊ ምትእስሳር ዘመን ኢዩ። ኵላትና ንፍቶ ንጽላይ ናይዚ ማኅበራዊ ከይዲ ተሳተፍቲ ኢና፣ ምእንቲ’ዚ ኣብዚ ፍልልያት ኣዚዩ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን’ዚ ሓድነት ብሓይሊ ቅዱስ ቁርባን ጥራሕ ኢዩ ዝጸንዕ፣ እቲ ብኅብረኣውነት ሃብታም እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ውህድነትን ሕብረትን ንምጽናዕ እናሸገሮ ይኸይድ ኣሎ፣ ስለዚ ብሓይሊ ቅዱስ ቁርባን ናይቲ ኅብረኣውነት እወታዊ መልክዑ ብምልላይን ሓድነትን ውህደትን ይረጋገጽ፣ እዚ ድማ ናይቲ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መግቢ ውህንደት ናይ ሓዋርያት ልኡካነ ወንጌልን ዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላልፎ መሠረታዊ መልእኽቲ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.