2010-05-15 15:43:17

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ፖርቶ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ፖርቱጋል ነርባዕተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻእ አካይዶም ትማሊ ምሸት ብሰላም ንሓዋርያዊ መንበሮም ተመሊሶም።

እዚ አብ ፖርቱጋል ከካይድዎ ዝቅነዩ ሓዋርያዊ ዑደት ካብ ኢጣልያ ወጻኢ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ሀገራት ሐቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ከም ዝኾነ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ቅድስነቶም አብ ፖርቱጋል ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት መካነ ንግድት ገዳም ፋጥማ ማእከል ዝገበረ ከም ዝኾነ ቅድሚ ንፖሩጋል ምንቃሎም መራኸቢ ብዙኀን አመልኪቶም ኔሮም።

አብ ፖርቱጋል አብ ዝጸንሕሉ ግዜ ፡ ርእሰ ከተማ ሊዝቦን መካነ ንግደት ገዳም ፋጥማ ከምኡ ክአ ፖርቶ ከም ዝበጽሑ ክዝከር ከሎ ፡ አብ ሰለስቲኤን ከትማታት ፖርቱጋል አብ ዝገበርዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብድምር ካብ ሐደ ሚልዮን ዝበዝሕ ህዝቢ ከም ዝተሳተፈ ተፈሊጡ አሎ።

ሓዋርያዊ መገሻ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዕዉት ከም ዝነበረ ናይ ፖርቱጋል መራኸቢ ብዙኀን ምንቅስቃስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ፖርቱጋል ተኸታቲሎም ዘውጽእዎ አጠቃላሊ መግለጺ አመልኪቱ።

አብቲ አብ ሊዝቦን ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ ክልተ ሚእትን ሐምሳን ሺሕ ዘይውሕድ ህዝቢ ከም ዝተረኽበ አብ መካነ ንግደት ማርያም ፋጥማ አብ ዝገበርዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ አብቲ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ አብ ፖርቶ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናብ ሚእትን ሐምሳን ዝጽጋዕ ህዝቢ ከም ዝተሳተፎ ናይ ፖርቱጋል መራኸቢ ብዙኀን ገሊጾም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሊዝቦን ምስ መራሕቲ ቤተክርስትያንን ምስ ናይታ ሀገር ርእሰ ብሔርን ምስ ካልኦት ናይ መንግስቲ ላዕሎዎት ሰበስልትናትን ከም ዝተራኸቡ ካብ ገዳመ ፋጥማ ምስ ናይ ፖርቱጋል ቀዳማይን ናይ ወጻእን ሚኒስተራት ከም ዝተራኸቡን አብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ፖርቱጋልን ዘሎ ጥንታዊ ርክብ ፡ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፖርቱጋልን መንግስትን ዘተኮሩ ርእሰ ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ካብቲ ብ1917 ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንሰለስተ ሕጻናት ዝተገልጸትሉ ካብ ገዳመ መካነ ንግደት ፋጥማ ንፖርቶ ተጋዒዞም አብቲ አቨኒዳ ዶስ አልያዶስ ዝተባህለ ዓቢ ቅርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘዕረግሉ ግዜ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ፡ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጽጋዕ ብዘይ ፍርሕን ምጥርጣርን እምነተ እግዚአብሔር ትነግርን ተረድእን ድአምበር ከም ዘይተገድድ አመልኪቶም።

ተልእኾ ቤተክርስትያን ስቅለትን ትንሳኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካር ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ ክርስትያን አብ ቤተክርስትያን ምስ ቤተክርስትያን ኮይኑ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ልኡከ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝኾነ ቅድስነቶም አተሐሒዞም ገሊጾም።

ሥርዓተ ቅዱስ ቁርባን ቃል እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ እዚ ክአ ትንሳኤ ክርስቶስ ህልውና ክርስቶስ ከም ዘረድእ አገንዚቦም።

ብዘይ እግዚአብሔር ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ወዲ ሰብ ናበይ ከም ዝኸይድ እንታይ ከም ዝገብር አይፈልጥን አይርዳእን ጥራሕ ዘይኮነ መን ከም ዝኾነ እኳ ክርዳእ አይክእልን ስለ ዝኾነ ቤተክርስትያን ንወዲ ሰብ ብሐይሊ ክአምን አይተገድዶን ግን ሰናይ ሐሳብ ተቀርብ እሩም መንገዲ ክአ ተርእን ትመርሕን ኢሎም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ አብ ፖርቱጋል አብ ፖርቶ ቅርዓት አቪኒዳ ዶስ አልያዶስ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት አተሐሒዞም ፡ አብ ዝሐለፉ ዓመታት አብ ዓለም ሥነ ሰብአዊ ባህላዊ ማሕበራዊ ከምኡ ክአ አብ ሃይማኖታዊ መዳይ ናይ ምቅይያር መልክዕ ከም ዘርአየ አመልኪቶም ፡ ቤተክርስትያን ነዚ አብ ግምት ብምእታው ንዝኽሰቱ ሐደስቲ ነገራት ንምብዳህ ድልውቲ ከም ዝኾነት አረዲኦም።

ምእንቲ ህዝቢ ዓለም ብሰላም ክነብርን ቅሳነት ክረክብን ቤተክርስትያን ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ባህልታትን ዝኸተሉ ክትዝቲ ስንድውቲ ከም ዝኾነት አገንዚቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተክርስትያን ብሱላት ምእመናን ከም ዘድልይዋን ሐለፍቲ ሓዋርያዊ ጉስነት አብዚ ከተኩሩን ከም ዝተማሕጸኑ ክአ ይምልከት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር አቃባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ፖርቱጋል ብዝምልከት ከም ዘመልከትዎ ፡ ህዝቢ ፖርቱጋል ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበረሎም አቀባብላ ካብ ዝተሐስበ ንላዕሊ ድሙቅ ዉዕዉዕ አዝዩ ዝማርክ ከም ዝነበረን እቲ አብ መካነ ንግደት ገዳመ ፋጡማ ዝተገብረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሳተፍዎ ዑደት በምእት አሽሀት ዝቁጸር ህዝቢ ዘሳተፈ ፍጹም ድንቂ ዝኾነ መንፈሳዊ ፍጻሜ ከም ዝነበረ ከም ዝተገንዘቡ አመልኪቶም።

ዝበ እግዚአብሔር በከምዚ ስሩዕን ዝማርክን አገባብ ሥርዓተ ቅድሴ ክኸተልን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሐቢሩ መቁጸርያ ክደግምን ምርአይ ሐደ ካብቲ አዝዩ ዝማርኽ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ ከም ዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሃቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሐበሬታ ሂቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምእንቲ”ቲ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝሳቀ ዘሎን አብ ሽግር ዝወድቀን ህዝቢ ዓለም አብ መካነ ንግደት ገዳም ፋጥማ ምስ ምእመናን ሐቢሮም ዑደት ጌሮም መቁጸርያ ደጊሞም ፍርቂ ሚልዮን ዘሳተፈ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ዝበሉ አቀባል ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዕዉት ጽቡቅ ዝምስጥ ዘሔጉስ ሓውርያዊ መገሻ ከም ዝነበረ አረዲኦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብህዝቢ ፖርቱጋል ዝተገብረሎም ምዉቅን ሕያውነታውን አቀባብላ ከም ዝተሐጎሱ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ፖርቶ ንሓዋርያዊ መንበሮም ክነቅሉ ከለዉ ከም ዝገለጹ ዝዝከር ኢዩ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.