2010-05-13 13:51:44

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ


መንግሥቲ ኬንያ ኣብ ሕዝባዊ ባይቶ ዘተ ተገይርሉ ንኽጸድቅ ዝሓንጸጾ ዝሓለፈ ዕለት 6 ግንቦት 2010 ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ካብ ቤተ ክርስትያን ዝቐረበ ዳርጋ ናይ መላእ ሕዝቢ ርእይቶ ዝቃልሕ RealAudioMP3 ሓሳብ ኣብ ግምት ዘየእተወ ንዳግማይ ዘተ ዘቕረቦ ሓዳሲ ሰነድ ቅዋም ሃገር፣ ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ንኸየጽድቖ “ንሕይወት ምረጻ ብምልኣት ድማ ንበራ” ብዝብል ኣርእስቲ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።

ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኬንያ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓዳሲ ሰነድ ቅዋም ሃገር ዓንቀጽ 26 ሠፊሩ ዘሎ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘየኽብር ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝብል ክቡር ዋጋ ዝጻረርን፣ ጽንሲ ምንጻል ዘተባብዕ ከምዝኾነ ብምትንታን ዘቕረበቶ ርእይቶ ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፣ ብኻልእ መዳይ ድማ፣ ኣብ ኬንያ ካድሒ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ቤት ፍርዲ ሃይምኖት ምስልምና ሕጋዊ ተፈላጥነት ዝህብ ብምዃኑን ኣብ’ዛ ሃገር ሃይማኖታዊ ግጭት ዘተባብዕን ማሕበራዊ ሰላም ዝነስእ ኢዩ ብምባል ዘቕረቦ ተቓውሞ ምዃኑ ይንገር።

ብውሳኔ ዓለም ለኸ ዝተረጋገጸ መሰልን ፍቓድን ክንክን ሥድራ ቤትን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ዘየኽብር ብምዃኑ ሕዝባዊ ባይቶ እቲ ሓዳሲ ሰነድ ቅዋም ሃገር ክነጽጎ ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ ጻውዒት ብምቕራብ ክርስትያን ምእመናን ናይ ሕይወት ባህሊ ክኽበርን ሕገ መንግሥቲ ኬንያ ሕይወት ዘኽብር ክኸውን መታን ክጽልዩን ናይ ሕይወት ባህሊ ብቓልን ተግባርን ክምስክሩ ሓደራ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.