2010-05-13 13:49:40

ምርኢት መጻሕፍቲ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ሊቅ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ


ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ኣንጀሊካ ኣብ ራብዓይን ሓምሻይን ክፍለ ዘመን ዝነበረ ዓቢይ ኣበው ቤተ ክርስትያን ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎግያን ሊቅ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ውሳጣዊ መዝገብ መንፈሳው ጉዕዞ RealAudioMP3 ዝትርኽ ክሳብ ዕለት 15 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ፈ. ዝቕጽል ምርኢት ድርሰታት መጻሕፍቲ ቅዱስ ኣጎስትጢኖስ ቅድሚ ትማሊ ከምእተኸፍተ ተሓቢሩ።

እዚ “እቲ ዝፍቀር ጥራሕ ኢዩ ዝፍለጥ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ብኣባ ጁዜፐ ቦሊስ ልክዕ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓቪያ ንዝርከብ ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዘ ሂፖ ቅዱሳት ትሩፋት በጺሖም ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ዝፈጸምሉ ኣዋን ዝሃቀንዎ መደብ ከምዝኾነ እውን እንክንገር፣ እዚ ስነ ባህልን ስነ ጥበብን ስነ ኣስተንትኖን ብዝብል ሰለስተ ምዕራፍ ዝኽተል ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎግያን ሊቅ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ናይ ውሳጣዊ መዝገብ መንፈሳው ጉዕዞ ዝትርኽ እውን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ነቲ ምርኢት ብጸሎት መሪቖም ዝኸፈቱ ንዓለማውያን ምእመናን ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ፣ ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ውሳጣዊ መዝገብ መንፈሳው ጉዕዞ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ዝውክል ምዃኑን፣ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ነቲ ኣብ ልቢ ኩሉ ሰብ ተዓቂቡ ንዘሎ መሠረታዊ ናይ ህላዌ ሕቶ፣ መልሲ ንምሃብ ዝጸዓረን ዘስተንተነን መፍትሕ ልቢ ናይ ዝኾነ ዘመን ልቢ ሰብ ኢዩ ኢሎም። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ንዝኾነ ይዅን ሰብ ቀረባ ዝኾነ ናይ ስነ ሓሳብ ናይ እምነት ናይ ሕይወት መምህር ኢዩ፣ ምሉእ ሕይወቱ ሓቂ ኣብ ምንዳይ ዘሕለፈን እቲ ሓቂ ድማ ፍቕሪ ምዃኑ ንምስትውዓል ዝበቕዔን እቲ ዝፍቐር ጥራሕ ዝፍለጥ ምዃኑ ዘበሰረን ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.