2010-05-11 14:04:27

ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግሮጎሪያና፣ ቤተ ክርስትያን ናይ ዓለም ሓቆፍ ፖሊቲካን


ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን ዓለም ለኸ ፖለቲካ ናይ ቅድስቲ መንበር ዝብል መደብ ክፍሊ ትምህርቲ ጨንፈር ስነ ፖለቲካ፣ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና በቢ ዓመቱ ዝቐርብ RealAudioMP3 መደብ ትምህርቲ ለብዘበን ንናይ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካነ መንግሥታት ዝተኮረ ኮይኑ ትማሊ ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።

እዚ በቢ ዓመቱ ዝወሃብ ትምህርቲ ትማሊ ራብዓይ ስንዳአኡ ከምዝተጀመረን፣ ኣብዚ በቢ ዓመቱ ብግሬጎሪያናን ዣኽ ማርታይን ማኅበራት ዝሰናደው ክፍሊ ትምህርቲ፣ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ናይ ፖለቲካ ቤት ጽሕፈትን ናይ ከተማ ሮማ ቤት ምኽሪ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካን ከምዝተሓባበሩ ተገሊጹ። ብዛዕባ እዚ ክፍሊ ትምህርቲ’ዚ ኣመልኪቶም ናይ ዣክ ማሪታይን ተቛም ዋና ጸሓፊ ፕሮፍፈሶር ሮበርቶ ፓፒኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፣ እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ወኪላት መንግሥታቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ንኽኾኑ ዝለኣኹ፣ ብዛዕባ ካቶሊክ ቤተ ርክስትያንን ታሪኻን ታሪኽ ቅድስቲ መንበርን፣ ቅድስቲ መንበር እትኸተሎ ፖለቲካ መንቀሊኡን መሠረቱን ሸቶኡን እንታይ ምዃኑ ዓሚዩቕ ፍልጠት ዘይብሎምን ብዛዕባ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘይግደሱ ብምዃኖም፣ ምእንቲ’ዚ ቅድስቲ መንበር ኣብ ብሔራውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ተዋሳኢት ምዃናን እተካይዶ ሰላምን ማዕርነትን ፍትሕን ዕርቅን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘነቓቕሕ ፖለቲካኣ ብቐረባ ንኽርድእዎ ዝኣመተ ክፍሊ ትምህርቲ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 22 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ፈ. ዝቐጽል ጽዑቕ መደብ ትምህርቲ፣ ቀዳማይ እንታይነት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ሮማ ክሳብ ዕለት 16 ግንቦት 2010፣ እቲ ካብ ዕለት 17 ግንቦት ክሳብ 22 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ፈ. ተግባር ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብዝብል ጠቕላሊ ርእሰ ጉዳይ ዝመራሕ መደብ ትምህርቲ ድማ ኣብ ከተማ ቶሪኖ ዝካይድ ምዃኑ ኣባ ፍራንኮ ኢሞዳ ናይ ግረጎሪያና ተቛም ሊቀ መንበር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.