2010-05-11 14:02:23

ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስታ ካልአይቲ ተኸታታሊት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይታ ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ናይ ዝደረስዋ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘረእስታ መጽሓፎም ተኸታታሊት ካልኤይቲ መጽሓፍ ከምዝቐረቡን ትማሊ ንሕትመት RealAudioMP3 መታን ክትበቅዕ ንዝምልከቶ ቤት ማኅተም ክምእተረከበት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም ኣመልኪቱ።

ናይታ ቀዳመይቲ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስታ ካልአይቲ ተኸታታሊት መጽሓፍ ናይ ጎይታይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማትን ትንሳኤን ዘጠቓለለትን፣ ብቋንቋ ጀርመን ዝተጽሓፈት ከምዝኾነትን እንክንገር፣ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍልማዊ ድርሰታትን ጽሑፋትን ንዝከታተል ኣሰናዳኢ ኣማኑኤል ሄርደርን ንናይ ቫቲካን ቤት ማሕተም ኣመሓዳሪ ኣባ ጁዜፐ ኮስታ ከምእተውሃበን፣ እዛ ብቛንቋ ጀርመን እተጽሓፈት መጽሓፍ ናብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ናይ ምትርጓም እሙን ሓላፍነት ንዘለዎም እውን ክትበጽሕ ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.