Home Archivio
2010-05-11 14:02:23
ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስታ ካልአይቲ ተኸታታሊት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይታ ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ናይ ዝደረስዋ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘረእስታ መጽሓፎም ተኸታታሊት ካልኤይቲ መጽሓፍ ከምዝቐረቡን ትማሊ ንሕትመት
መታን ክትበቅዕ ንዝምልከቶ ቤት ማኅተም ክምእተረከበት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም ኣመልኪቱ።
ናይታ ቀዳመይቲ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስታ ካልአይቲ ተኸታታሊት መጽሓፍ ናይ ጎይታይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማትን ትንሳኤን ዘጠቓለለትን፣ ብቋንቋ ጀርመን ዝተጽሓፈት ከምዝኾነትን እንክንገር፣ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍልማዊ ድርሰታትን ጽሑፋትን ንዝከታተል ኣሰናዳኢ ኣማኑኤል ሄርደርን ንናይ ቫቲካን ቤት ማሕተም ኣመሓዳሪ ኣባ ጁዜፐ ኮስታ ከምእተውሃበን፣ እዛ ብቛንቋ ጀርመን እተጽሓፈት መጽሓፍ ናብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ናይ ምትርጓም እሙን ሓላፍነት ንዘለዎም እውን ክትበጽሕ ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።
All the contents on this site are copyrighted ©.