2010-05-11 14:03:08

በዓል ቅዱስ ኒኮላ


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትማሊ ቅድሲ ኒኮላ ከምዘብዓለት ተገሊጹ። ቅዱስ ኒኮላ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣውራጃ ፑሊያ ዋና ከተማ ባሪ ሓላዊ ቅዱስ ከምዝኾነን ኣብታ ከተማ ኣብ RealAudioMP3 ዝርከብ ናይቲ ቅዱስ፣ ቅዱሳት ትሩፋት ተዓቂቡሉ ዘሎ ባሲሊካ ቅዱስ ኒኮላ ንዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶኔ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ነቲ ሥርዓት ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ከተማ ባሪን ተቐማጦ’ዛ ከተማ፣ ናይ ቅዱስ ኒኮላ ኣብነት ክኽተሉን ብሕልፊ ድማ ከም ቅዱስ ኒኮላ ርሕሩሓትን ተቐበልቲ ጋሻን ተሓባበርትን ደገፍቲ ድኻታትን ጽጉማት ክኾኑ ሓደራ ቢሎም፣ ቅዱስ ኒኮላ ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን ክፍለ ዘመን ኣብታ ሎሚ ብቱርኪ እትፈለጥ ሃገር ናይ ቀደም ምይራ ናይ ቀረባ ነኡስ እስያ ከተማ ሊቂያ ተወላድን ሓብሓቢ ነፍሳትን ኣቦ ድኻታትን ሕዙናትን ብምዃን ነቶን ዝስደዱ ዝነበሩ ሓቀይና ክርስትያን ብምክልኻል እምነቱ ዝመስከረን ኣብ 1087 ድሕሪ ሞቱ ቅዱስ ዓጽሙን ቅዱሳት ትሩፋቱን ናብ ከተማ ባሪ ከምዝኣተወን እቲ ድሮ ነዚ ቅዱስ ኣብ ምሥራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ዝፍጸም ሥርዓት ኣምልኾ ናብ ምዕራብ ሃገራት ንኽበጽሕ ድማ ካብ ከተማ ባሪ ዝነቐለ ክምዝኾነን ኣመልኪቶም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብበዓል ቅዱስ ኒኮላ ምኽንይት ንከተማ ባሪን ሕዝብን ምእመናንን ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ዘመሓላለፍዎ መልኽትን ቡራኬን ኣቕሪቦም፣ ሕዝቢ ባሪ ከም ቅዱስ ኒኮላ ወንጌልን ቅዱሳት ምሥጢራት ዘማእከለ ሕይወት ክነብሩ ሓደራ ቢሎም፣ ብበዓል ቅዱስ ኒኮላ ምኽንያት ናብታ ኣብ ባሪ ናብ እርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ኒኮላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምሥራቕ ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ነጋድያን ምእመንን ብምዝካር ባሪ ኣብ ሞንጎ ናይ ምስራቕን ምዕራብን ኣቢያተ ክርስትያን ንውህደትን ዝግበር ጻዕሪ ከተተባብዕ ዝተጸውዔት ኢያ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.