2010-05-08 19:31:24

ሥርዓተ ቀብሪ ልዑል ካርዲናል ልዊጂ ፖጂ


ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድሚኦም ናይ ዝዓረፉ ልዑል ካርዲናል ልዊጂ ፖጂ ሥርዓተ ቀብሪ ትማሊ ተፈጺሙ። ናይ ጉባኤ ካርዲናላት ኃላፊ ልዑል ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ትማሊ ሰዓት 5 ፈረቃን አብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተፈጸመ ጸሎተ ፍትሓት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጸናንዒ ቃልን ሥርዓተ አማኅጽነተ ነፍስን ግብአተ መሬትን ፈጺሞም። ነፍሰ ኄር ልዑል ካርዲናል ልዊጂ ፖጂ ንነዊሕ እዋን ናይ ቅድስት ሮማዊት ቤተ ክርስትያን ዓቃቤ መዝገብ (ኣርኪቪስታ) ናይ ቫቲካን መዝገበ መጻሕፍት ኃልፍን ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.