2010-05-08 19:30:24

6ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 2010 ( 1ግንቦት 2002 ዓ.ም.)


መዝሙር፡ ፋሲካ ዛቲ ዕለት . . “ፋሲካ ቅድስቲ ዕለት እያ፥ ፋሲካ ብአኣ ንተሓጎስን ደስ ይበለናን፥ አብ ፋሲካ ንዘናጋዕን ነዕርፍን፥ ሰማይን ምድርን ብአኣ ይሕጎሱ፥ ፋሲካ ፋሲካ ፋሲካ ተዝካር ትንሣኤ መድሓኒና”።

ንባባት፡ ሮሜ 4፡14~ፍ፥ ራእ 20፡1~ፍ፥ ግ.ሓ.10፡39~44፥ ዮሓ 21፡1~15።

ስብከት፡ በልዑ ወጸገቡ ጥቀ፥ ወወሃቦሙ ለፍትወቶሙ፥ ወኢያኅጥኦሙ እምዘፈቀዱ።

አብ ዘመን ትንሣኤ ኢና ዘሎና። ናይ ትንሣኤ መቐረትና በረኸትን ብዝያዳ አብ ውሽጥና ክነስተማቕር ምእንቲ ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ፋሲካ ቅድስቲ ዕለት እያ፥ ፋሲካ መዓልቲ ሓጎስ እያ፥ ሰማይን ምድርን ብአኣ ይሕጎሱ፥ ተዝካር ትንሣኤ መድሓኒና እያ እናበለ ፍሉይ ርድኢት ትንሣኤ አሕዲርና ክንጉዓዞ ዘሎና መገዲ እምነት የዘኻኽረና። ደቂ ትንሣኤ ምዃና ብፍሉይ ክንሓስብ ብአኡ ደረጃ ኸአ መስከርቲን ሰበኽትን ትንሣኤ ክርስቶስ ክንከውን። ክርስትያን ክብረቱን ዕግበት መንፈስ ዝህቦ መልእኽቲ ትንሣኤ አብ ኩሉ ከብጽሕ እንከሎ እዩ።

አብ ወንጌል ዮሓንስ ዘሎ ናይ ሎሚ ንባብና ኢየሱስ ነርድእቱ ብፍሉይ ክቐርቦም እሞ ናቱ ክገብሮም ደልዩ አብቲ መዓልታዊ ሕይወቶም ከለዉ ምስኦም ከምዘሎን ብኸመይ ናቱ ኮይኖም ክመርሑ ምእንቲ ንፍሉይ ትእምርቲ ንሸውዓተ ካብኦም ተራእይዎም። መጀመርያ ከምቲ ዝበሎም አብ ባሕሪ ጥብርያሮዶስ ከይዶም (ማቴ 28፡7) ብሓንሳብ ከለዉ እዚ ብሓንሳብ ምኻኖም ናይ እቲ ክጉዓዝዎ ዘለዎም መጻኢ ሕይወት እዩ ማለት ብሓደ ልብን መንፈስን አብ ሓደ እምነትን ዓላማን ሒዞም አብ ዝኸድዎ ሓድነቶም ከደልድሉ ከምዘለዎም ዘርኢ እዩ። ጴጥሮስ ከም ሓላፊ መጠን ነቲ ተበግሶ ንሱ ይጅምሮ አብዚ ሓላፍነቱ ይርኤ፥ አብቲ ናይ ቀደም ሥርሖም ተመሊሶም ምግፋፍ ዓሣ ምናልባት ጎይታና ሓዲስ ትእዛዝ ክሳብ ዝህቦም ይኾኑ አብኡ ዝተመልሱ። አብዚ ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ሓዲሮም ሓደ ዓሣ አይሓዙን፥(ሉቃስ 5፡1~11) እዚ ዘስተምህረና አምላኽ ምሳና እንተዘየሎ ኩሉ ጊዜ ክንዕወት ከቢድ ምዃኑ እዩ። አብ ናትና ዓቕምን ድለትን ጥራሕ ክንውከስ ከሎና እንገብሮ ጎደሎ ምዃኑ ንርዳእ። ጰጥሮስ ኢየሱስ ነቲ መርበብ ንየማንካ አብሎ ምስ በሎ ሽዑ ማእለያ ዘይብሎም ዓሣ ይሕዙ፥ ንአምላኽ ሕሹኽታኡ ክንሰምዕ ጽን ክንብል አሎና፥ ንየማንካ አብሎ ንርእሱ ትርጉም አልኦ ንየማን ዘብል አብ መገዲ አምላኽ ዘሎ እዩ፥ አብ መወዳእታ ዓለም ነቶም እሙናቱ ብየማኑ ከም ዝገብሮም ወንጌል ይነግረና(ማቴ 25፡34)። አብዚ ንጴጥሮስ ገፋፍ ዓሣ ክገብረካ እየ ዝበሎ ክንዝክር ንኽእል፥ ከም ሓለቓ ቤተክርስትያን ከም ዝሾሞ ብዘይክኡ ሓንቲ ክገብር ከም ዘይክእል ክንርኢ ንኽእል።

ኢየሱስ ብተደጋጋሚ ነርድእቱ ክደልዮም እንከሎ ንርኢ እዚ ኸአ ንሓዲስን ዓቢ ተልእኮ ክሰዶም ከበራትዖም ኢሉ እዩ። ንሱ አብቶም ናቱ አብ ጥቕኦም ይመጽኦም ግን ከለልይዎ አይከአሉን ይብለና ዮውሓንስ፥ ናባና ክንደይ ጊዜ ቀሪቡና ይኸውን ግን ክንርእዮ አይከአልናን ንኸውን ክነለልዮ አጸጊሙና ይኸውን። ስለ ዘይነለልዮ ኢየሱስ ዘይተሓወሶ ሕይወት ንነብር። እቲ ኢየሱስ ዘፍቅሮ የለልዮ “ጎይታና እምበር እዩ” እናበለ ንጴጥሮስ ይነግሮ። ፍቕሪ ከምትርኢ አብ ሕያውነት ከም እትዝምብል ትገብረካ፥ እቲ ንእሽቶይ ረድኢ ብኹሉ ልቡ ንኢየሱስ ስለ ዘፍቀሮ ጎይታና እዩ እናበለ ከለልዮ ክኢሉ። ጴጥሮስ ጥርሑ ነሩ ስለዚ ናብ ባሕሪ ነጢሩ አትዩ ነዚ ክነስተንትን ከሎና ንሕና ካብ ጸጋ አምላኽ ክንርሕቕ ከሎና ብመንፈስ ጥራሕና ባዶ ንኸውን፥ ባሕሪ አምሳል ሕይወትናን እንነብሮ ዓለምን እዩ ዘመልክት፥ ብዙሕ ጊዜ ሕይወትና በቲ ከባቢና ተዋሒጡ ይነብር ካብኡ ክንወጽእ ድለትን ጸጋ አምላኽን የድልየና። ከምቲ ክዳን ንሕፍረትና ዝኸድነና ከምኡ ካብ መንፈሳዊ ሕፍረት ነጻ ክንወጽእ ጸጋ አምላኽ የድልየና። አብ ዓለም ምሕንባስ ክንክእል አሎና ሓምቢሱ ዘይክእል ብቐሊል ይጠልቕ ይውሓጥ ዝሕንብስ ግን ዝሕግዞ እንተ ረኸበ ክድሕን ይኽእል እዩ እሞ እናሓንበስና ከም ጴጥሮስ ንጎይታ ንርከቦ ሽዑ ኢየሱስ ከምዚ ግበር እናበለ ክንገብሮ ዝግብአና ክነግረና እዩ።

ኢየሱስ በቲ አብ ዕለታዊ ሕይወቶም ዝጥቀሙሉን ዝፈልጥዎን ገሩ ምስጢር ተልእኮኦምን አብ ሕይወቶም ዝረኽብዎ ጸጋ ከምዝርድኡ ገርዎም። ገፈፍቲ ዓሣ ገፈፍቲ ሰብ ኮይኖም። አብዚ ምግፋፍ ሰብ ክብሃል እንከሎ ንሰባት ምስ ክርስቶስ ከም ዝፋለጡ ምግባር ካብቲ ዘለዉዎ ሕይወት ናብ ክርስቶስ ከም ዝቐርቡ ምግባር እዩ። እዚ እዩ ናይ ነፍስወከፍና መልእኽቲ ክነብጽሖ ተዋሂቡና ዘሎ።

አበው ነዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ከስተንትኑ ከለዉ እታ ጃልባ አምሳል ቤተክርስትያን እያ፥ ሓድነታ ከአ በቲ ዘይብጠስ መርበብ ብሓንሳብ ተጠርኑፉ ይነብር። ባሕሪ ኸአ አምሳል ዓለም እዩ እናበሉ ይትርጉምዎ። ጴጥሮስ አብታ ጃልባ ደው ኢሉ ክርአ እንከሎ ነቲ አብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ዝተዋህቦ ሓላፍነት የመልክት። እቲ ቍጽሪ ዝተገፉ ዓሣ አምሣል ናይ እቶም ሕሩያት ብአምላኽ እዩ እናበሉ ይትርግምዎ።

ሎሚ አብዚ ሃገር መዓልቲ አደታት ተባሂሉ ዝዝከር ፍሉይ ነደታት ዝተዋህበ ዕለት እዩ። አደ አብ ሕብረተሰብ ፍርቂ ተራ ትጻወት። መብዝሕትኡ ነገራት ብፍላይ አብ ዓቢ ነገራት ተሳትፎ አደ ፍሉይ መልክዕን ትርጉም ይህቦ። አብ ሃይማኖታውን ፖሎቲካውን ነገራት ናይ አደ ተሳትፎ ዓቢ ተራ አለዎ። አብ መደብ አምላኽ ሰብአይ ምሉእ ክኸውን ሰበይቲ ከም ተድልዮ አምላኽ ገሊጹ ብጸይቲ ሂብዎ። ንተፈጥሮ አዳም ምልአት ዝሃበቶ ሔዋን እያ። ቅዱስ መጽሓፍ ማዕርነታ ከረጋግጽ ኢሉ ካብ ጎኒ ሰብአይ ወሲድዋ ይብለና። ኻብ ርእሱ አይወሰዳን ልዕሊኡ ከይትኸውን፥ ካብ እግሩ አይወሰዳን ትሕቲኡ ከይትኸውን እንታይ ድአ ካብ ጎኑ ወሲድዋ ማዕሪኡ ምዃና ከረድኦ።

አዳም አብ ጌጋ ዝዘንበለ አደ ስለ ዘይነበሮ እዩ ዝብል ብሂል አሎ ናይ አደ ተራ አብ ሕይወት ክገልጹ ምእንቲ። አደ ንሕይወት ሰብ ርግአት ተአማንነት ከምዘሕድር ትገብሮ፥ አደታት ብባህርየን ፍሉይ ርክብ ምስ ውሉደን አልአን ካብቲ ንሕና እንርእዮ ንላዕሊ። አብ ዓዲ እንግሊዝ አብ 30 ዝኾና ሓራሳት አብ ዝተገብረ መጽናዕቲ አብትን ቀዳሞት 2~3 መዓልታት ሕርሰን ነተን አደታት ምስ ፈለይወን ካብኤን ፍርቀን ድምጺ ደቀን ብምስማዕ ጥራሕ አላልየን ድሕሪ ሶምን ኩለን ደቀን ካብቶም ቆልዑት ውሉደን ክበኽዩ ከለዉ አላልየንኦም እዚ ነቲ ምስ አደ ዘሎ ርክብ ብፍሉይ ይገልጾ። ናይ አደን ውሉድን ርክብ ፍሉይ እዩ።

ባህሪ አደ ርክብ ምፍጠር እዩ፥ አብ ስድራ እንተረአና ኩሉ ርክብ በደ እዩ ዝጅምር። አደ መንጎኛ እያ። ነቦ ምስ ደቁ ንውሉዳት ምስ አብኦም እተራኽብ አደ እያ። አደ ዓቃቢት ምስጢር ሰታሪት ኩሉ እያ። አብ ታሪኽ ሰብ እቲ ዝዓበየ መንጎኝነት ዘድልዮ በቲ አብ መንጎ አምላኽን ሰብን ዝተፈጥረ ሓጢአት እዩ።አዳም ምስ ወደቐ ምስቲ ዝኸሓዶ አምላኹ ክተዓርቕ ዝተመርጸት ሓንቲ ካብ አደታት እያ። ማርያም አደ ኮይና ድሕነት አምጺአትልና። ሞንጎኛ ኮይናትልና።

ባሕርይ አደ አምሳል ስልሴ ምዃን እዩ። ስላሴ አብ መንግኦም ምስራጽ አሎ ወልድ ካብ አብ ይሰርጽ፥ መንፈስ ቅዱስ ካብ አብን ወልድን ይሰርጽ፥ ናይ አደ ምውላድ አብቲ ናይ ስላሴ ባሕርይ ዝተመስረተ እዩ። አዕሙቕ አቢልና እንተ ረአናዮ አደ ብዝያዳ አምሳል ስላሴ እያ እንተበልና ዝተጋነነ አይኮነን። ባህርያት ናይ አደታት እንተረኤና ርሕራሔ፥ ሓልዮት፥ ምምሓር፥ ፍቕሪ ዝመልኦ እዩ። እዚ ባህሪ አምላኽ እዩ።

እግዚአብሔር ሰበይቲ ዝፈጠረ ንፍሉይ ጸዋዕታ እዩ፥ ብጸይቲ ክትከውን ሰብአይ ከይዝኽትም ካብ መገዲ ከይወጽእ ክትሕግዞ ብሓጺሩ አብቲ አምላኽ ዝመደቦ ክጸንዕ ክትሕግዞ ከም ክቡር ህያብ ተዋሂቡ። ህያብ ክቡር እዩ ሰበይቲ ህያብ አምላኽ ንሰብአይ እያ። እዚ ፍሉይ ክብሪ ይህባ። ሰብአይ አምሳል አምላኽ እዩ ህያብ ክኸውን አይክእልን እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ህያብ አምላኽ ንደቂ ሰብ እዩ። አምላኽ ጥራሕ እዩ እቲ ሓቀኛ ህያብ ክህብ ዝኽእል። ሰበይቲ ህያብ ስለዝኾነት ናይ እቲ ወሃቢ አምሳል እያ። ንሰብአይ ንአምላኽ እተዘኻኽሮ ንሳ እያ። ፍቑራት አሓት ሕርየትክን ጸዋዕታኽን ንአና ንአምላኽ ክንዝክር ዝተወሃብክናና ህያባት አምላኽ ኢኽን።

አብ ዕለታዊ ሕይወት ክርስትናና እንተረአና ስለምንታይ ደቂ አንስትዮ ቤተኽርስትያን ብዝያዳ ዝፈትዋ፥ ስለምንታይ ብዝያዳ ጸሎት ዝፈትዋ፥ መሰረቱ አብቲ አምላኽ ዝሃበን ጸጋ ዝተመስረተ ክኸውን ይኽእል። ነዚ ሰረት ገርና ክንርእዮ ከሎና አምላኽ ካብ ደቂ አንስትዮ ዝደልዮ መንጎኛታት ምዃን እዩ። ማርያም እታ ቀዳመይቲ ሰበይቲ መንጎኛ አብ መንጎ ሰብን አምላኽን እያ። ኩልኽን አሓት ደቂ ማርያም ናታትክን ዕጫ መንጎኛታት ዕርቂ ሰላም ምዃን እዩ። ድሕሪ ውድቀት አዳም ኩልና ተበላሺና አብቲ ባሕርና ካልእ ዘይናትና ባሕሪ በኪሉና ስለዚ አብቲ ሓቀኛ ባህርና ክንአቱ ጻዕሪ አድልዩ። አደታት እውን ነቲ አምላኽ ዝሃበክን ጸጋ ባህርይ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክትኮና ጻዕሪ የድልየክን ሎሚ እምብአር አብቲ አምላኽ ክትኮንኦ ዝደልዮ ክትምለሳ ዝሕግዘክን ዕለት እዩ። አነ ከምቲ አምላኽ ዝደልየኒዶ ኮይነ አሎኹ ክትብላ።

ዓለምና እንተ ረአናዮ ዝኽትምና አደታት ዝበዝሖ እዩ ዝመሰል እዚ ኸአ ገለ እዋን አደታት ከም አደታት ስለ ዘይርአያ እሞ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ምስ መለኽዎ ሽዑ እቲ አምላኽ ዝፈጠሮ መልክዑ ስለዝቕይር ጎደሎ ብምዃኑ የሳቕየና፥ ገልእዋን ከአ ባዕለን አደታት ነቲ አምላኽ ዝሃበን ህያብ ክቕይርኦ እንከለዋ። አደ ባህርያ ክትቅይር እንከላ ኩሉ ጸልማት እዩ ዝኸውን። ከም ዝበልክዎ ባህርይ አደ ሓልዮት፥ ፍቕሪ፥ ሰላም እዩ። ምጥርናፍ ማለት ንዝጉሃየን ዝዘኽተመን ምሕጋዝ ። ነዚ አብነት እትኾነክን ማርያም እያ ድሕሪ ሞት መምህሮም ሓዋርያት ገለ አብ ክሕደት ገለ ኸአ ክብተኑ ተራእዮም ማርያም ግን አብ ጽርሓ ጽዮን አኪባ መጀመርያ ብጸሎት ሰሚሮም ከም እዝከቡ ገራቶም፥ ካልአይ ነቲ ዝዓበየ ምጽንናዕ ክወርዶም አብ ሓደ መንፈስን ሓሳብን ከም ዝጥርነፉ ገራቶም። ናይ ሎሚ አደታት ነዚ አብነት ሕይወትክን ገርክን አብ ሓዳርክን አብ ቤተክርስትያንክን አብ ግብሪ ክተርእይኦ ይግባእ።

ብዙሕ ጊዜ አደ ዘላቶ ገዛ ምዉቕ ሕጉስ እዩ። ኩሉ አብቲ ገዛ ዘሎ ርግአት ምትእምማን አልኦ አደ ወይ ክትገይሽ ወይ ክትሓምም ከላ ብንጹር ትርእዮ ጎዲሉ ከምዘሎ በዚ አደ ክሳብ ክንደይ አብ ሕይወትና ከም እተድልየና ንርኢ። አብ ታሪኽ ሰብ ዓበይቲ ነገራት በደ ይፍለጥ ንአብነት ንቤተክርስትያን አደና ንብላ፥ ምድሪ ብጓል አንስተይቲ ትፍለጥ።

አብ ምድምዳም ክብሎ ዝደሊ አብ ኩሉ ሕይወትክን ፈተውቲ ጸሎት አብ ኩሉ ርክብክን ምስ ሰባት አከብቲ ሓቖፍቲ ክትኮና ከመይ ንሱ እዩ ባህሪ ተፈጥሮኽን። ምስ አምላኽ ዘሎክን ርክብ ኩሉ ጊዜ ክተዕብይኦ ንአኽን ዝረአየ ንአምላኽ ከም ዝረአየ ክኸውን። ደቂ ማርያም ኮንክን ንአና አሕዋትክን አብ እንገብሮ ጉዕዞ ሕይወት ክትሕግዛና አምላኽ ድላዩ እዩ። ከምቲ ነታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስትያን ጠርናፊታ አጸላይታ ዝነበረት በዚ መንፈስ ቤተክርስትያንክን ክትአልያ ሓደራ እብል። ብግዳማዊ መልክዕ ዘይኮነ ብናይ ውሽጣዊ ተሓድሶ ከምእትልለያ ግበራ። አምላኽ በዚ እነዕርጎ ዘሎና መስዋዕቲ ቅዳሴ ብፍሉይ ንኹልኽን አደታት ጸግኡ ሂቡ ቅዱሳት ፈተውቲ ሓቅን ፍቕርን ይግበርክን።



አባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.