2010-05-06 17:35:15

አብዚ ጽንኩር ጊዜ አብ ጐድኒ ካህናት ብምቋም ክንድግፎም አሎና


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማል ሮቡዕ ኣብቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ አስተምህሮኦም ብዛዕባ ኣብ ቶሪኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ ዝጸለይዎን ናይ ዝገበርዎ ንግደት መንፈስን ድሕሪ ምምልካት አብ ቀዳሲ ተልእኮ ካህን ዘተኮረ ሰፊሕ ትምህርቲ ሂቦም፣ ነቲ ኣብዚ ቅንያት እዚ ብዛዕባ ኑክሌራዊ ቀመማት ምቍጽጻር ኣብ ኒዮርክ ተጋቢኡ ንዘሎ ማኅበረሰብ ከአ “ዓለምና ካብ ኑክለራዊ አጽዋር ነጻ ከምትኸውን ግበሩ” ክብሉ ተማሕጺኖም።

ኣብ ከተማ ቶሪኖ ብዛዕባ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ ክርስቶስ ዝገበርዎ ጸሎትን ብጣዕሚ ከምዘሐጎሶም ድሕሪ ምግልጽ ትርጉም ናይቲ መግነዝ እንክገልጹ፣ “እቲ ቅዱስ ጨርቂ እቲ ንእምነት ክርስትና ክምግብ ንሠናይ ተግባር ክርስትና ከአ ከደንፍዕ ይኽእል፣ ምኽንያቱ ከአ ናብ ገጽ ክርስቶስ ንክትከይድ እናድፍኤ ሕመረት መልእኽቲ ክርስትና ንዝኾነ ምሥጢረ ፋሲካ እናስተንተንካ ናብቲ ተሰቂሉ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ሰውነት ክርስቶስ የብጽሕ” ቢሎም።

ናብ ተልእኮ ካህን ብምምላስ ቀንዲ ተልእኮ ካህን ንደቂ ሰባት ምስ እግዚአብሔር ከምዝራኸቡ ምግባር እዩ፣ እቲ ሕቶ ግን ደቂ ሰብ ከመይ ገቢሮም ነዚ ርክብ እዚ ክፈጥሩ ይኽእሉ ዚብል እንኪኾን ቅዱስነቶም ነዚ ክምልሹ ከለው ነዚ ዚስዕብ ቢሎም፣ “እምነት ቤተ ክርስትያን ነዚ ርክብ እዚ ዝፈጥር ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ ይብለና፣ እግዚአብሔር ባዕሉ ቀስ ብቀስ ናብ አምሳሉን መልክዑን ይልውጠና፣ ናይ ካህን ንደቂ ሰባት ናይ ምቅዳስ ተልእኾኸስ ኣብዚ እዩ ዚአቱ፣ መጀመርያ ቃል ኣምላኽ ብምብሳር፣ ምናዳ ኸአ ኣብቲ ቅዱሳት ምሥጢራት ዝዕድለሉ ፍጻሜ ይዝውተር። በዚኸስ ዚቅድስ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ፣ ንሱ ብቃሉ ናብ እግዚአብሔር ይስሕበና፣ እዚ ግን ኣብዚ መጨርሽታ ጊዝያትና እንርእዮ ዘሎና ናብ ስብከተ ወንጌል ጥራይ ዘዘንበለ ንምሥጢራት ዕሽሽ ዝብል ዝንቡዕ አራአእያ ነቲ ናይ ምቅዳስ ተልእኮ ስለዝንጽሎ ምጥንቃቅ የድሊ፣ ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግብረ ተልእኮ እንተረኤና ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ተአምራት መንግሥት አምላኽ ምስቲ አካል ክርስቶስ ቃላትን ምልክታትን ተሰንዩ እዩ ዝተገልጸ፣ እዚ ኸአ ቃል አምላኽን ምልክታትን ማለት ምሥጢራትን ከምዘይፈለለዩ የገንዝበና፣ ንናይ ምቅዳስ ተልእኮ ካህን ምንጻል ከስ ነቲ ዘድሕንን ዘሥርሕን ጸጋ ምሥጢራት ዕሽሽ ብምባል ንእምነት ከድክሞ ይኽእል ኢሎም።

ነዚ ንምፍዋስ ዓሚቍን እኹልን ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ፣ “ምእመናን ዕቤት ምሥጢራት ቤተ ክርስትያን ንኽርድኡ ብብቍዕ ትምህርተ ክርስቶስ ምዅስኳስ የድሊ፣ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ከአ አብነት ቆምስ አርስ ቅዱስ ዮሓንስ ቫያኒ ብምስዓብ ካህናት ነቲ እግዚአብሔር ብጸጋኡ አብ ኢዶም ዘንበረሎም እዚ ከአ ገበርትን ሓደግትን ዘይኮነ ክዕቅብዎን ብግቡእ ክዕድልዎን ዝተዋህቦም መዝገብ ጸጋ እግዚአብሔር ንኣሕዋትን ኣኃትን ብልግሲ ንምዕዳል ስንድዋት ክኾኑ የድሊ” እንክብሉ ተልእኮ ካህን ምስትምሃርን ምቅዳስን ብተወፋይነት እንተተፈጺሞም ፍረ ከፍርዩ ከምዝኽእሉ ገሊጾም። ምናዳ ምናዳ ኣብዚ ጊዜና ብሓደ ወገን እምነት እናደኸመ በቲ ሓደ ወገን ከአ ደቂ ሰብ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ስኢኖም ዓሚቍ መንፈሳዊ ስንቂ ሃሰው ኣብ ዝብሉሉ ዘለው ጊዜ ካህናት ብሥራት ቃል አምላኽን ምዕዳል ምሥጢራት ቤተ ክርስትያንን ክተግሃሉ ዘለዎ ጉዳይ ብምዃኑ ሓደራ ቢሎም፣ ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱነቶም ካህን መጋበሪ እምበር ምንጪ ከምዘይኮነ ኣብ ኅልናኡ ክምዝግቦ አለዎ፣ እዚ ኅሊና እዚ ኣብ ተልእኮኡ ዘበርክቶ እንከብርሁ፣ “ከምዚ ዓይነት ኅሊና ብዓይኒ ሕገ ቆኖና ካህን ኣብ ምዕዳል ምሥጢራት ትሑትን ለጋስን ከምዝኸውን ይገብሮ፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ብዓሚቍ ተአማንነት ቀንዲ ተልእኮኡ ኩላቶም ደቂ ሰባት ምስ ክርስቶስ ብምውህሃድ ከም ሕያውን ቅዱስን ኅብስተ ህይወት ኮይኖም ንእግዚአብሔር ከምዝውፈዩ ምግባር ምዃኑ እውን በዚ እዩ ዚርደኦ፣ እንኪብሉ ካህናት ሎሚ እውን ናብ መንበረ ኑዛዜ ተመሊሶም ኮፍ ብምባል ምእመናን ምሕረትን ምኽርን ምጽናዕን ከምዝረኽቡ ክገብሩ ተማሕጺኖም።

ኣብ መደምደምታ ናብ ምእመናን ብምምላስ አብዚ ጽንኩር ጊዜ አብ ጐድኒ ካህናት ብምቋም ክንድግፎም ከምዘሎና ከምዚ ኪብሉ ሓደራ ቢሎም፣ “ካህናት ንቤተ ክርስትያንን ንመላእ ዓለምን ዓቢ ውህበት ከምዝኾነ ዘክሩ፣ ብተልእኾኦም ገሩ እግዚአብሔር አብ ማእከልና ብምህላውን ብምቅዳስን ድሕነት ደቂ ሰባት ይቅጽል አሎ፣ ንእግዚአብሔ ምምስጋን ፍለጡ፣ ልዕሊ ኩሉ ከአ አብዚ ጽንኩር ጊዜ ከም ልቢ እግዚአብሔር ዝጓስዩ ጓሶት ንክኾኑ ብጸሎትን ብደገፍን አብ ጐድኒ ካህናት ብምቋም ተሓባበርዎም” እንክብሉ ተማሕጺኖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.