2010-05-06 17:33:30

ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኡጋንዳ አብ ቫቲካን


ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኡጋንዳ አብ ቫቲካን ቪሲታ አድ ሊሚና ሓውርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉ አብ ዝሐልፈ መደብና አመልኪትና ከም ዝንበርናን ካብቶም አብ ቫቲካን ሓዋርያዊ ምብፃሕ ዘካይዱ ዘለዉ ክአ ብከፊል ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝተራኸቡ ዝዝከር ኢዩ።



አብ ቫቲካን ዝወጸ ዜና ከም ዘመልክቶ እቶም ዝሐለፈ ሳልስቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘይተራኸቡ ጳጳሳት ኡጋንዳ ትም ኣሊ ረፍዲ ምስ ቅድስነቶም ተራኺቦም ።



ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ ምስ ጳጳሳት ኡጋንዳ አብ ዝተራከብሉ ግዜ፡ ክርስትያን ኡጋንዳ ብንዋታውን ውልቃውነታውን ካብ ምምራኽ ክናገፉ ክጽዕሩ ይግባእ።



ብጠንቂ”ቲ ዝሐልፈ ቀረባ ግዜ አብ ሰሜናዊ ምብራቅ ኡጋንዳ አብ ክሊ ቡዱዳ ዝተኸስተ ምህማም ጎቦታት ሕይወቱ ዝስአነ ህዝቢ ከም ዘሕዘኖምን ምእንቲ”ቶም ዝሞቱ ሰባት ከም ዝጽልዩን ነቶም ቤተ ሰቦም ዝሞቱዎም ክአ ከሄሉ ኩሉ እግዚአብሔር ጽንዓቱ ክህቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት በነዲክቶስ ንብጽዓን ጳጳሳት ኡጋንዳ ከም ዝገለጹሎም አብ ቫቲካን ዘውጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።



አብ ክፍለ ዓለም አፍሪቃ ብስራተ ቅዱስ ወንጌል ምስ ህዝቢ አፍሪቃ ባህልን ልምድን ዝላዘብ ብዝተሐደሰ መልክዑ ክስበኽ ሃረር ከም ዝብሉ ክአ ቅድስነቶም ከም ዝገለጹ ይምልከት።

ቀጺሎም ቃል ኪዳን ክጸንዕ እዚ አብ ግብሪ ምእንቲ ክውዕል ክአ ሰበኻታት ኡጋንዳ ምስ ምእመናን ጥቡቅ ምትሕብባር ክገብራን ክሕግዛን ሓዋርያዊ ተልእኾኤን ብ ጽፉፍ አገባብ ከካይዳን ከም ዘተሐሳሰቡ እዚ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አገንዚቡ።



ትሕዝቶን ውጽኢትን ናይቲ ዝሐለፈ ወርሒ ጥቅምቲ አብ ቫቲካን ዝተኻየደ አፍሪቃዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንምእመናን ክግለጽ አብታ ክፍለ ዓለም ፍትህን ርትዕን ክኽሰት ህዝቢ ካብ ጥሜት ክናገፍ ቤተክርስትያን ክትተሐባበር ክአ ከም ዝተማሕጸኑ ተነጊሩ።



አብ ፍትሒ ዝተመርኮሰ ሰላምን ርትዕን ዕርቅን ክመጽእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምቲ ወትሩ ትገብሮ ከይሰለከየት ክትጽዕር ክአ ቅድስነቶም ንብፁዓን አበው ጳጳሳት ኡጋንዳ ከም ዝገለጹሎም ተፈሊጡ አሎ።



ኤኩመኒዝም ማለት ሐድነት ክርስትያን አገዳሲ ከም ዝኾነ አመልኪቶም ክአ ሕብረት ቅድስቲ ቤተክርስትያን ድላይ መድኅኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ከም ዘመልከቱ ተገሊጹ ።



እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዓመተ ካህን ከም ዝኾነ ዘኪሮም ክአ ኻናት ሐገዝን ሐልዮትን ጳጳሳት ከም ዘድልዮም ንሳቶም ክአ አብ ሓዋርያዊ ጉስነቶምን ተልእኾኦምን ከድህቡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ከም ዝተማሕጽኑ ይምልከት።



ሰበኻታት አብ ምብርካት ጸዋዕታ ክጽመዳን አገልገልቲ ምእንቲ ክበዝሑን አብ ህንጸተ ዘርአክህነትን ከድህባ ከም ዝግባእ ክአ ከም ዝገለጹ ብግዝያዊ ሽግር ክተዓናቀፋ ከም ዘይብለን ህንጽተ ተመሀርቲ ዘርአ ክህነት ቀዳምነት ክውሃቦ ክአ ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ።



ካህናት ዳናግል መነኮስያትን መነኮሳንን ጸሎት ጾምን ተጋድሎን ከዘውትሩ ንሕብረተሰ ጽቡቅ አብነት ክኾኑ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ከም ዝተማሕጸኑ ተነጊሩ።





ብጹዓን ጳጳሳት ኡጋንዳ ምእመናን አብ መካነ ሰማዕታት ኡጋንዳ ክነግዱ ዘካይድዎ ጸዓት ንኢዶም ክአ ሰማዕታት ኡጋንዳ አብ ልቡ ኩሎም ቅኑዓት ክርስትያን ከም ዝርከቡ ከም ዝገለጹ ይምልከት።



ጳጳሳት ኡጋንዳ ነቲ በማእት አሽሀት ዝቁጸር ህዝቢ ዘህለቀምሕረት አልቦ ዝኾነኤች አይ ቪ ኤይድስ ንምግታእ ዘካየድዎ ፈውሲ ኤይድስ አብ ቃል ኪዳን ምጽናዕ ኢዩ ዝብል ወፈራ ክአ ከም ዝንአዱን ዘመጎሱን ተፈሊጡ አሎ።



ናይ ኡጋንዳ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበርን ናይ ሉጋጺ ጳጳሳን ብፁዕ አቡነ ማቲያስ ሳካማንያ ንጳጳሳት ኡጋንዳ ወኪሎም አብ ቅድሚ ቅዱስ አቦና ቀሪቦም ነቲ ዝሀብዎ አባታዊ ምኽሪ ከም ዘመስገኑ ተገሊጹ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.