2010-05-06 17:33:40

ምስሪ ናይ ካይሮ አልዛሃር ዩኒቨርሲቲ ሼክ መሐመድ ሰይድ ጣንታዊ ከም ዝዓረፉ ካብ ርእሰ ከተማ ካይሮ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ ።


አብ ምስሪ ናይ ካይሮ አልዛሃር ዩኒቨርሲቲ ሼክ መሐመድ ሰይድ ጣንታዊ ከም ዝዓረፉ ካብ ርእሰ ከተማ ካይሮ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ ።



በዚ ዜና”ዚ መሰረት ፡ ሰማንያን ሐደን ዕድመ ዝነበሮም ሼክ መሐመድ ሰይድ ጣንጣዊ ካብ ስዕዱ ዓረብ ካብ ሪያድ መገሻ ክምለሱ ከለዉ ብልቢ ድኻም ኢዮም ዓሪፎም።



መሐመድ ሰይድ ጣንጣዊ ብጥቅምቲ ዕስራን ሸሞንተን 1986 ናይ ምስሪ ዓቢ ሙፍቲ ከም ዝተሰየሙን ንዓሰርተ ዓመት ከም ዘገልገሉን ክዝከር ከሎ ብድሕሪኡ ናይ ካይሮ አልዛሀር መስጊድን ዩኒቨርስቲን ክመርሑ ብፕረሲደንት ሑስኒ ሙባራክ ከም ዝተሰየሙን ይፍለጥ።



አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ውስጠ ሃይማኖት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጂን ሉዊስ ቱራን ዝሐለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት ዕስራን ሰለስተን አብ ካይሮ ምስ ሼክ መሐመድ ሰይድ ጣንጣዊ ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ክዝከር ከሎ ፡ ዕረፍቶም ምስ ሰምዑ ዝተሰምዖም ሐዘን ከም ዝገለጹ አብ ቫቲካን ዝወጸ ዜና አመልኪቱ።



ብፁዕ ካሪናል ጂን ሉዊስ ቱራን ምስቶም ብሞት ሼክ መሐመድ ሰይድ ጣንጣዊ አብ ሐዘን ዝርከቡ ምስራውያን ከም ዝተሐባበሩ ጠቂሶም ፡ ሼክ መሐመድ ሰይድ ጣንጣዊ አብቲ አብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዚተኻየደ ዘተታት ንጡፍን ምቅሉልን ከም ዝነበሩ ሰብአዊ ሐልዮ ዘርእዩ ንዝተ ስንዱው ከም ዝነበሩ አዘካኺሮም።



አብቲ ዝሐለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለታት ዕስራን ክልተን ሰለሰተን አብ ካሮ ምስኦም አብ ዝተራኸብሉ ግዜ ብዛዕባቲ ዝሐለፈ ወርሒ ጥሪ ዕለት ሰውዓተ ልደተ መድኀኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ግዜ አብ ሰሜናዊ ምስሪ አብ ሐማዲ ዝተባህለ ቦታ ብአብ ምስልምና ዝአምኑ ዝተቀትሉ ሸውዓተ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን አልዒሎም ከም ዝተዘራረቡን እቲ ፋጽሜ ብዙሕ ከም ዘሕዘኖምን ከም ዝገለጹሎም አረዲኦም።



አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ውስጠ ሃይማኖት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብብፁዕ ካርዲናል ጂን ሉዊስ ቱራን ርእይቶ እቶም ትማሊ ካብ ስዑድ ዓረብ ካብ ከተምና ሪያድ ካብ መገሻ ክምለሱ ከለዉ ብሃንደበት ብልቢ ድኻም ዝዓረፉ ናይ ካይሮ አልዛሀር ዩኒቨርሲቲ ሐላፊ ሼክ መሐመድ ሰይድ አልጣንጣዊ ናይ ሰላም ሃይማኖት ምስ ፖሊቲካ ክተሐናፈጽ ከምዘይብሉ ዝአምኑ ብጉልባብ ሃይሞኖት ዚካየድ ህውከት ዘይድግፉ ሃይማኖት መሳርሒ ከይከውን ዝጥንቀቁ ሰብ ኢዮም ኔሮም።



ብፁዕ ካርዲናል ጂን ሉዊስ ቱራን ቀጺሎ ፡ ናይ ምስሪ ኦርቶዶክስ ትዋህዶ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ሸኑዳ ሼክ መሐመድ ኢማም ጣንታዊ ዝተፈላልዩ ሃይምኖታት ብሰላምን ተኸባቢሮምን ክነብሩ ዝድግፉ አብ መንጎ ዝተፈላለያ እምነታት ምትሕብባር ክህሉ ዝጽዕቱ መስተውዓሊ ከም ዝነበሩ ከም ይገልጹሎም ከም ዝነበሩ አረዲኦም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.