2010-05-04 17:30:36

ሓዋርያዊ መገሻ ርሊጳ አብ ቶሪኖ፡

 


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ክፍለ ሀገር ፒዮሞንተ አብ ከተማ ቶሪኖ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ከም ዝገበሩን ቅድሚ ትማሊ አማስይኦም ንሃዋርያዊ መንበሮም ብሰላም ከም ዝተመልሱን ዝዝከር ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ ከተማ ቶሪኖ ሓዋርያዊ ምብጻሕ አብ ዘካየደሉ ግዜ ብአመንትን ኢ አማንያንን ዉዕዉዕ አቀባብላ ከም ዝተገብረሎም ይፍለጥ።

አብ ካተድራል ቶሪኖ ተዓቂቡ ዘሎ ቅዱስ መግነዝ ኢየሱስ ክርስቶስ ከበጽሑ ዝተኮረ ከም ዝነበረ ዘምልከተ መገለጺ ቅድስቲ መንበር አብ ቅድሚ”ቲ ቅዱስ መግነዝ ዝገበርዎ ጸሎትን አስተንትኖን አውራ ሓዋርያዊ መገሻ ቶሪኖ ዘንጸባርቅ ከም ዝኾነ አረዲኡ።

እዚ ቅዱስ መግነዝ”ዚ ንትዕይንተ ህዝቢ ቀሪቡ ከም ዘሎን ካብ ዝሐለፈ ወርሒ ሚያዝያ ክሳዕ ሕጂ ብሐደ ሚልዮን ዝቁጸር ህዝቢ ከም ዝተዓዘቦን ይፍለጥ።

እዚ ትዕይንተ ቅዱስ መግነዝ’ዚ አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ክሳዕ ግንቦት ዕስራን ሰለስተን ንህዝቢ ክፉት ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ ተምበርኺኾም ምስ ጸለዩን ምስ አስተንተኑን ፡ ከም ዘመልከትዎ ፡ እዚ ቅዱስ መግነዝ”ዚ ብደም ዝተጻሕፈ ምልክት ፍቅርን ሕይወትን ኢዩ።

እዚ ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ካብ ማእከላይ ምብራቅ ብኢስጣምቡል ብፍረንሳ አቢሉ ቶሪኖ ዝበጽሔ ቅዱስ መግነ’ዚ ናይ ብሐቂ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገንዘሉ ጨርቂድ’ዩ አይኮነነን ብናይ ሳይንስ ጠበብቲ ማለት ክኢላታት ይጽናዕ ከም ዘሎ ክፍለጥ ከሎ ክሳዕ ሕጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘይኮነ አየረድኤን ።

ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እዚ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ’ዚ ክቅጽል ከም ትድግፍ ክፍለጥ ከሎ ፡ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበልዎን ዝጽሐፍዎን ምስቲ አብ ካተድራል ቶሪኖ ተዓቂቡ ዘሎ ቅዱስ መገነዝ ከም ዝሰማማዕ ግን ዘጠራጥር ከም ዘይኮነ ተፈሊጡ አሎ።

እዚ ቅዱስ መግነዝ’ዚ ሐደ አብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብ ዝተጠቅለለሉ ጨርቂ ከም ዝኾነ ናይ ሳይንስ በሰላት የረጋግጹ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብወገኖም ቅድሚ ታምሊ ነቲ ቅዱስ መግነዝ ምስ ተመልከትዎ ፡ ከም ዝገለጽዎ ብዓይነ ሕሊና በቲ ግዜ’ቲ አካል ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መቃብር ተጋዲሙ ከሎ ከመይ ከም ዝነበረ ክንግንዘብ ንኽእል ኢሎም።

ቀጺሎም ዝኾነ ኾይኑ ሞት ወዲ እግዚአብሔር ምንጪ ዕርቅን ተስፋን ስለ ዝኾነ እዚ ቅዱስ መግነዝ”ዚ ስእላዊ ሰነድ ከም ዝኾነ የተሐሳስበኒ ኢሎም ።

ነዚ ቅዱስ መግነዝ’ዚ ብዓይኒ እምነት ክትምልከቶ ክትዕዘቦ ከለኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተገንዘሉ ክትግንዘብ ከም ትኽእል አመልኪቶም ክአ ንሐጢአት ወዲ አዳም ከንጽሕ ተሰቂሉ ሞይቱ ንሞት ስዒሩ ክአ ተንሲኡ ብርሃን ክአ ኮይኑ ኢሎም።

እዚ ብሚልዮን ዝቁጸር ህዝቢ ንቅዱስ መገነዝ ክርኢ ንቶሪኖ ዝውሕዝ ዘሎ ህዝቢ አብቲ ቅዱስ መግነዝ ንሞት ዝስዓረ ሕይወት ስለ ዘንጸባርቅ ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም።

ቅዱሳን መጻሕፍቲ ሐዋርያት ከም ዘረድኡና ብዓርቢ ስቅለት ኢየሱስ ተገሪፉ ተሳቅዩ ተስቂሉ ጐድኑ ብበበሊሕ ናይ ሮማውያን ጭማራ ምስተውግኤ ደምን ማይን ፈሲሱ እዚ አብቲ ቅዱስ መግነዝ ከም ዝርኤ ጠቂሶም እቲ ካብ ጐድኑ ዝፈሰሰ ደምን ማይን ፡ ፍቅርን ሕይወትን ዘገንዝብ ከም ዝነበረ አረዲኦም ።

ተስቂሉ ሞይቱ እንተዘይ ትንስእ ኔሩ ከምቲ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ እምንትና ከንቱ ምኾነ ኔሩ ብማለት ክአ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.