2010-04-27 10:11:39

ፓትርያርክ ፎዓድ ጥዋል ፡ቅድስቲ ሃገር ኢየሩሳሌምን


አብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዕለት ዓሰርተ ፡ ክሳዕ ዕስራን አርባዕተን አብ ቫቲካን ናይ ማእከላይ ምብራቅ ጳጵሳት ሲኖዶስ ክካየድ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ዝዝከር ኢዩ።

አብዚ ግዜ’ዚ አብ ቫቲካን ቅድመ ምዳላው ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ይካየድ ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ናይ ሥርዓተ ላቲን ፓትርያርክ ፎዓድ ጥዋል ሐደ ካብቶም መሰናዳእቲ ስለ ዝኾኑ አብ ቫቲካን ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ፓትርያርክ ፎዓድ ጥዋል ብሐፈሻ ህሉው ኩነታት ማእከላይ ምብራቅ ብፍላይ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም አመልኪቶም መግለጺ ሂቦም ።

ንሶም አብ መግለጺኦም ከም ዘመልከትዎ ፡ አብ ቅድስቲ ሀገር ሰላም ክነግስ አሸጋሪ ድአምበር ዘይክአል አይኮነን ተስፋ ምቁራጽ አየድልን ኢሎም።

ቀጺሎም እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝበሉ አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ናይ ሥርዕተ ላቲን ፓትርያርክ ፎዓድ ጥዋል ፡ ሐደ ምሉእ ትውልዲ ፓለስጢናን ኢየሩሳሌምን ኲናት እናተኸየደ ከሎ ተወሊዱ ከምኡ ኢሉ ክአ ብኲናት ተሰንዩ ሰላም ከይፈለጠ ክአ ዓብዩ እዚ ንርእሱ ዘሰቅቅ ነገር ከም ዝኾነ ክአ ገሊጾም።

ሰላም ዘይፈልጥ ብኪናትን ግጭትን ዝዓበየ ትውልዲ ጣዕሚ ሰላም ክፈልጥ ወይ ካአ ከስተማቅር ስለዘይክእል ዓቢ ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ፓትርያርክ ፎዓድ ጥዋል አመልኪቶም።

ሐደ ማኅበበ ረሰብ ንኻልእ ማኅበረሰብ ከም እኩይ ጽረ ሰላም ጌሩ ክውስዶ ቀሊል ኢዩ ምሕረት ምሃብ ግን አዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ክአ አተሐሒዞም ገሊጾም።

ዝበ ክርስትያን ቅድስቲ ሀገር ይቅረ ይቅረ ተበሃሂልና ሕድሕድ ምሕረት ተወሃሂብና ሰለም ንግበር ዝብል መምርሒ ተኸቲሉ ይጓዓዝ ከም ዘሎ ኣአመልኪቶም ክአ ሰለም ብኹሉ ወገን ክድለ ከሎ ጥራሕ ኢዩ ነባሪ ሰላም ዝመጽእ ክአ ኢሎም ።

አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ዝሰፍን ሰላም ንክርስትያን ንአይሁድ ነስላም ንኹሎም ማኅበረ ሰባት ከም ዝኾነ ጠቂሶም ወይ ኩሉ ሰብ ሰላም ይረክብ ወይ ኩሉ ሰብ አብ ሰንፈላል ይነብር ሰለም ሕባራዊ ከም ዝኾነ ምርድእእ የድሊ እምበር ሐደ ወገን ጥራሕ ሰላም ከም ዝደሊ ጌርካ ምርድእ ጌጋ ከም ዝኾነ ክአ አተሐሒዞም ገሊጾም።

እዚ ሰለም’ዚ ሕደ መዓልቲ ከም ዝመጽእ ተስፋ ከም ዝገብሩ ክአ ፓትርያርክ ፎዓድ ጥዋል አመልኪቶም።

አተሐሒዞም ፡ ሰላም ንኽመጽእ ወሳኒ ጊደ ዘለዎም ህዝቢ ፓለስጢናን ህዝቢ እስርእኤልን ከም ዝኾኑ አመልኪቶም ክአ ዓለም ለኸ ኅበረተ ሰብ አዎንታዊ ጊደ ክጻወት አይተራእየን ብማልት ክአ ገሊጾም።

አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ናይ ሥርዓተ ላቲን ፓትርያርክ ፎዓድ ጥዋል ህሉው ኩነታት ናይቲ ክሊ ክገልጹ ከለዉ ፡ እስራኤል ካብቲ ብሐይሊ ዝሐዘቶ ግዝአት ዓረብ ብምውጻእ ጐረቤት እስራኤል መንግስቲ ፓለስጢና ክምስረት እንተ ትሰማማዕ ሰላም ምዓሰለ ኔሩ።

ብርእይትኦም እስራኤል ካብ ኲናት ሰላም ትፍርሕ ከይኑ ይርአዮም ።

እስራኤል ፡ ነጻ መንግስቲ ፓለስጢና እንተቆይሙ እቶም አብ ወጻኢ ሀገራት ዝነብሩ ሰለሰተ ሚልዮን ፍሊስጤኤማውያን ከይምለሱ ከም ትስከፍ ክአ ገሚቶም።

አብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ አይሁድ ግን ንእስራኤል ክምለሱ መሰሎም ሕሉው ከም ዝኾነ ክአ ዘኪሮም።

ዶብ ስለዘይሎ እስራኤል ካበይ ይጅምር ስለ ዘይፍለጥ ሰራዊት እስራኤል ንውሽጢ ፓለስጢና አትዮም ክምለሱ ትርኢ ዘይምለስሉ ግዝያት ክአ አሎ ስለዚ ነዚኹሉ ዓለም ለኻዊ ነባሪ ፍታሕ ክርከበሉ ይግባእ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ግን ናብራ አይኮነን ክአ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.