2010-04-27 14:33:53

ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ማኅበር ተራድኦ ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ


እቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ቤተ ርክስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ጨንፈር ኣብ ኢጣልያ ንፍቕሪ ብሓቂ ዝተኽስኮሱ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ መበል 34 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ RealAudioMP3 የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ኣብ መላእ ቁምስናታት ኢጣልያ ዝርከብ ናይ ቤተ ርክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበራት ዘሳትፍ ዘሎ ኣኼባ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ካሪታስ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ቪቶሪዮ ኖዛ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ንፍቕሪ ኣብ ሓቂ ወይ ድማ ብሓቂ ዝተሃንጹ ዝብል ኣርእስቲ ነታ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤነዲክቶስ መበል 16 ካሪታስ ኢን ቨሪታተ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝኽተል ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ፍቕሪ ሥራሕ ማለት ደገፍን ሓገዝን ናብ እምነት ዘብጽሕን ወንጌል ዘበስርን ኣብ ሓቂ ዝቖመ ክኸውን ከምዘለዎ ዘረድእን፣ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ብእተካይዶ መደብ ደገፍ ከመይ ጌርካ ክትምስክሮ ከምዘሎካን ኣብ ቃል ኣምላኽን ቅዱስ ቁርባን ምስክርነት ፍቕሪ ዝተደገፍ ክኸውን ከምዘለዎ ዘረድእ ኣኼባ ኢዩ ኢሎም።

መሠረት ረድኤት ክርስትያን ቃል ኣምላኽን ቅዱስ ቁርባንን ዝሥዋእ ፍቕርን ክኸውን ኣለዎ። ክርስትያን ማለት ተኸታሊ ክርስቶስ ማለት ክኸውን እንከሎ ክርስቶስ ድማ ሓቂ እንካብ ኮነ፣ እዚ ሓቂ’ዚ ምዃናዊ ክርስትናና ኢዩ። ካብዚ ዝነቐለ ደገፍ ኣቲ ሓቂ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምስክር ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ፍቅሪ ክትኩስኮስ ኣንከሎኻ ነቲ ብክርቶስ ዝተመስከረ ዘይጽበ ናጻን ዝሥዋእን ፍቕሪ ትዳሎ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ብብርሃን ቃለ ወንጌል ተመሪሕካ፣ ሓቂ ንሱ ድማ ክርስቶስ ትምስክር ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ናይቲ እነቕርቦ ደገፍን ሓገዝን ኣርኣያ ክርስቶስ ኢዩ። ንሱ ካብ ኮነ ድማ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቃላቱን ሥጋሁ ወ ደሙን ክንምገብን ክንምስክርን፣ በዚ ናይ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ኣገልግሎትና ድማ መላእ ኣገልጋሊት ሕዝቢ ቤተ ክርስትያን ብሓባር ንሓንጽ ማለት ምዃኑ ኣረዲኦም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.