2010-04-27 14:36:08

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣፍሪቃ


ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፣ ካብ ዕለት 20 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 24 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ራባት፣ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን RealAudioMP3 ናይ ሃይማኖት ነጻነትን፣ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቫቲካን ንዝካየድ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ካልኣይ ሲኖዶስ ኣማእኪሉ ከምእተኻየደ ተገሊጹ።

ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት እተካይዶ ዘተ ብምትብባዕ፣ እቲ ውሁዳን ማኅበረ ክርስትያን ናይቲ ከባቢ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ዝርኤ ዜጋ ዘይኮነስ፣ ምሉእ ወዲ ሃገርን ናይ ማዕርነት መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዘለዎ ኮይኑ ክነብርን፣ እምነቱ ክገልጽን፣ ብሕጊ ዝተደገፈ ተፈላጥነት ክህልዎ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ክንገር እንከሎ፣ ብምቕጻል ብጹዓን ጳጳሳት ስሜን ኣፍሪቃ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ሓቂኑ ናብ ስሜን ኣፍሪቃ ሃገራት ዝውሕዝ ስደተይናታት ኣፍሪቃ ጉዳይ ኣማእኪሉ ከምዝዘተየን ሕጋዊ ይዅን ዘይ ሕጋዊ ኣቲ ስደተያን ሰብ ኢዩ። ኣብ ዝኾነ ይዅን መዳይ እዚ ሓቂ እዚ ከይዝንጋዕን ብመንፈስ ወንጌል ዝምራሕ ድጋፍ ካብ ናይቲ ከባቢ ኣቢያተ ክርስትያናት ክረክብ ከምዘለዎ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ጉባኤ ቀጻሊ ኣኼባኡ ኣብ ኣልጀሪ ካብ ዕለት 29 ጥሪ ክሳብ ዕለት 3 ለካቲት 2011 ዓ.ም.ፈ. ንምክያድ ከምዝወሰነ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.