2010-04-27 14:35:05

ቤተ ክርስትያንን እዋናዊ ምዕባለ መራኸቢ ብዙኃንን


ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስቲ ዝረጋገጽ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለ ሥነ ጥበብ ዝመዓራረይ ወንጌላዊ ምስክርነትን መደብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ነቲ ምዕባለ ዘኽብርን ክቡር ዋጋ ዘልብስን RealAudioMP3 ነቲ ኣብ ስነ ኣሓዛዊ ዝተደገፈ ዝተራቀ ምዕባለ ስነ ጥበብ ኣብ ግምት ዘእትው ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ኵሉ ከባቢ ምርግጋጽ ዝብል ረቛሒ ዝሓዘለ፣ በዚ ስነ ኣሓዛዊ ምዕባለ መሠረት ምስክርነት ምቕራብ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ተማእኪሉ ዝተካየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ፖምፒሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቲ እዋናዊ ምዕባለ መራኸቢ ብዙኃንን ቤተ ክርስትያን ከመይ ጌራ እትጥቀመሉ? በዚ ወትሩ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ስነ ጥበባብ ተጠቂማ መንፈሳውን ሰብኣውን ሕንጸትን ምስክርነት ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝሃብዎ ምዕዳን ዝደረኾ ኣኼባ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ቤተ ክርስትያን ኣብ ጭቡጥ ኩነት ኅብረትሰብን ባህሉን ቋንቋኡን ማሕበኣዊ ቅርጹን እትርከብ ብምዃና፣ ካብቲ ናይ ኅብረተሰብ ምዕባለን ቋንቋን ባህልን ከይተነጸለት፣ ነቲ ባህሊ ብወንጌል ክስበኽ እተካይዶ ኣስፍሆተ ወንጌል ንዅሉ ዝሓቁፍ ኢዩ። ወንጌል ናብ ኵሉ መታን ክበጽሕ ተጠቃሚ ናይዚ ሓድሽን እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መራኸቢ ቡዙኃን ሓደ ክፋል ኅብረሰብ ጥራሕ ከይከውን እናተሓሳሰበትን፣ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝቐርብ ሕቶ እግዚኣብሔር ነቲ መርበብ ሓበሬታ ተጠቂማ መልሲ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ምኽሪ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ኢዩ ኔሩ ኢሎም።

ቀጺሎም ምዕባለ ብዅሉ መዳያቱ ብምድህሳስ፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ሰብ ዘማእከለ ክኸውን ከምዘለዎን፣ ነዚ ዝድግፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መታን ክህሉ ቤተ ክርስትያን ብቐረባ ነዚ ምዕባለ ተረዲኣን ምስኡ ተላልያን ፍጥረት ሰብ ናይዚ ምዕባለ ግዙእን በዚ ምዕባለ ተዓቢሱ ከይጠፍእ ነዚ ምዕባለ ተጠቂማ መልሲ ክትህበሉ ከምዘለዋ ዘተሓሳሰበ ጉባኤ ከምዝነበረ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.