2010-04-27 18:13:48

ሐዋርያዊ ምብጻሕ ጳጳሳት አፍሪቃ ፡


ናይ ሃገራት ምዕራብ አፍሪቃ ናይ ሴራልዮን ላይበርያን ጋምብያን ብፁዓን ጳጳሳት አብ ቫቲካን ቪሲታ አድ ሊሚና ሐዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን አፍሊጦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ረፍዲ ናይተን ሀገራት ጳጳሳት ብኸፊል ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ክአ እቶም መራኸቢ ብዙኀን አመልኪቶም።

ካብቶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተራኸቡ ብፁዓን ጳጳሳት ሐደ አብ ጋምብያ ናይ ማከኒ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ጆዮርጅ ቢጉጺ ሃለዋት ናይተን ሰለስተ አብያተ ክርስትያናት አፍሪቃ መግለጺ ከም ዝዝሃቡ ክምልከት ከሎ ብፁዕ አቡነ ጂዮርጅ ቢጉጺ ከም ዝገለጽዋኦ ፡ አብ ህዝቢ ላይበርያ ሰብዓ ካብ ሚእቲ ክርስትያን ከም ዝኾኑ ፡ አብ ሴራልዮንን ጋምብያን ክርስትያን ውሁዳን ከም ዝኾኙ አገንዚቦም ።

አብ ሴራልዮንን ጋምብያን ዝርከቡ ዉሁዳን ክርስትያን አብ ሕብረተሰባት ናየተን ሀገራት አዎንታዊ አስተዋጽኦ ከም ዝገብሩ ዘመልከቱ ናይ ጋምብያን ሴራልዮንን ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ አቡነ ጂዮርጅ ቢጉጺ አብ አብያተ ትምህርቲ አብያተ ጥዕናን ካልኦት ማሕበራዊ ስራሐትን ዝምስገን ስራሕ ከም ዝሰርሑን ብህዝቢ ተቀባልነት ከም ዘለዎምን ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ።

አብ ሴራልዮንን ጋምብያን ጸዋዕታ ክህነትን ደናግልን ከም ዘሎ አመልኪቶም ክአ ተቅዋማት አብየተ ክርስትያናት ምስስቶም ናይተን ሀገራት መንግስታት ዘለወን ጽቡቅ ርክብ ተመሪኲሶም አብ ሽግር ንዝወደቀ ህዝቢ ንዋታውን ሞራላውን ሕገዛት ከም ዘበርክቱ አረዲኦም።

ብፍላይ ኢሎም አብ ጋምብያ ናይ ማከኒ ክሊ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ጆርጅ ቢጉጺ ሴራልዮን ብኲናት ሕድሕድ ተሐሚሳ አብ ዝንበረትሉ ግዜ አብ ዓውደ ኲናት ተዋፊሮም ዝንበሩ ሕጻናት አብ ንቡርን ሰላማውን ሕይወት ንኽምለሱ ካቶሊካውያን ተዋማት ብዙሕ ከም ዝጽዓሩን ነቶም አእምሮኦም አብ ጉዳይ ኲናትን ዓመጽን ተዓጽዩ ንዝነበሩ ሕጻናት ከም ዝሕብሕቡን ከም ዝከናኸኑን አረዲኦም።

አብዚ ግዜ”ዚ ሴራልዮን ካብቲ ዘሕዝን ኲናት ሕድሕድ ተናጊፋ ህዝባ ብሰላም ይነብር ከም ዘሎ ክአ ብፁዕ አቡነ ጆርጅ ቢጉጺ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ።

አብ መለእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት አብ ሐሙሽተ ዓመት ሐደ ግዜ አብ ቫቲካን መካነ መቃብራት ቅዱሳን ጰጥሮስን ጳውሎስን ንምስላምን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምርኻብን ቫቲካን ከም ዝበጽሑ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.