2010-04-24 13:25:37

ኣውጽኦተ ኣጋንንትን ናጻ ዘውጽእ ጸሎትን


ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ረጂና ኣፖስቶሎሩም መንበረ ጥበብ ዝርከብ ክፍሊ ቲዮሎጊያ ዘዳለዎ ብዛዕባ ኣውጽኦተ ኣጋንንትን ናጻ ዘውጽእ ጸሎትን ብዝምልከት ዝወሃብ ትምህርቲ ንሓምሻይ ጊዜኡ ክምዝቐረብ ተገሊጹ። RealAudioMP3 በቢ ዓመቱ ዓለማውያን ምእመናን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ዘሳትፍ ብዛዕባ ኣውጽኦተ ኣጋንንትን ናጻ ዘውጽእ ጸሎትን ርእሰ ጉዳይ መሠረት ዝወሃብ ትምህርቲ ኣብ ናይ ለበዘበን ሓምሻይ መደብ ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ናይ ስነ ኣእምሮ ሊቅ ኣና ማሪያ ጃኒኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበረኦ ቃለ ምልልስ፣ እዚ መደብ ትምህርቲ’ዚ ነቲ ኣብ ዓለምና እናተስፋሕፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ሰይጣን ዘምልኽ ጉጅለ ሃይማኖትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ሃይማኖት ጉጅለታትን ንብዙሓት ሰባት ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ብምሕዳር ግዙኣት ዝግበሩ ጉዳይ ዘነጽርን ነዚ ዓይነት እናተሳሕፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ንፍጥረት ሰብ ኣብ ባርነት ዘእትዉ ናይ ሃይማኖት ጉጅለታት ከመይ ጌርካ ኣይፋለይ ንዝብል ብስለት ዘዳለውን እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ኅብረተሰብ ክስፋሕፋሕ ዝድግፍን እቶም ናይተን ናይ ሃይማኖታት ጉጅለ ኣደዳ ዝኾነ ከመይ ጌርካ ካብቲ ወዲቐምዎ ዘለዎ ሓደጋ ናጻ ክትገብሮም ከምእትኽል ምሉእ ምድላው ዝህብን ኢዩ።

ኣብ ሕይወትካ ዘጋጥሙኻ ሕልኽላኻትን ሽግራትን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥጥታት ኣንቢሮም ዝኸዱ ኣሰንበድቲ ኩነታት ንመጻወዲያ ናይ ሃይማኖት ጉጅለታት ምቹእ ይገብረካ ኢዩ። ዘጋጠመካ ከቢድ ሽግር ንኽትፈትሖ ወይ ድማ ተቐቢልካ መሚኻ ፈቲሕካን ሕይወትካ ንቅድሚት ከተሰጉም ዘብቕዓካ ኣብነት ዝኾነካ ሓቅን መገድን ክቡር ዋጋታትን እንተዘይብልካ፣ ኣብ ዝተነጸለ ሕይወት ምንባር ትጅምር እዚ ድማ ነቶም ናይ ሃይማኖት ጉጅለታት ቅሩብ ዝገብር ተነቃፊ ስነ ኣእምሮኣዊ ኮይኑ ይርከብ። ናይ ሃይማኖት ጉጅለታት ቅድም ቀዳድም ናይ ክርስትያን ክቡር ዋጋታት ብምስባኽ ይቐርቡኻ እሞ፣ ሓንሳብ ኣብ መጻወዲያ ምስ እተኻ ግን ኩሉ ይቕየር፣ ብኵላዊት ቤተ ክርስትያን ተቀባልነት ዘይብሎም መናፍስቲ ሰጋዲ ትኸውን። እቶም ነተን ናይ ሃይማኖት ጉጅለታት ዝፈጥሩ ሰባት ሽግር ሰብ ዘይኮነ ዘገድሶም ናይቶም ኣደዳ ዝኾኑ ሰባት ፍቓድን ድላይን ንክበጽሕዎ ንዝደልይዎ ዕላማ የንበርክኽዎ፣ ነዞም ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ዝወደቑ ስባትን ብሕልፊ ድማ ብቐሊሉ ክጥቃዕ ዝኽእል መንሰይ ወለዶ ክድገፍ ከምዘለዎን ከመይ ጌርካ ኸ ትድግፎ እትረኽበሉ ክፍሊ ትምህርቲ ኢዩ ኢለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.