2010-04-24 13:24:00

ቤተ ክርስትያንን እዋናዊ ምዕባለ መራኸቢ ብዙኃንን


ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ “ምስቲ ዝረጋገጽ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለ ሥነ ጥበብ ዝመዓራረይ ወንጌላዊ ምስክርነትንን መደብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ነቲ ምዕባለ ዘኽብርን ክቡር ዋጋ ዘልብስን RealAudioMP3 ነቲ ኣብ ስነ ኣሓዛዊ ዝተደገፈ ዝተራቀ ምዕባለ ስነ ጥበብ ኣብ ግምት ዘእትው ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ኵሉ ከባቢ ምርግጋጽ ዝብል ረቛሒ ሓሳብ ዝሓዘለ፣ በዚ ስነ ኣሓዛዊ ምዕባለ መሠረት ምስክርነት ምቕራብ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽዝቲ ዝጠለቦ ዓውደ መጽናዕቲ ቅድሚ ትማሊ ከምእተጀመረ እንክንገር፣ ኣብዚ ዓወደ መጽናዕቲ ካብ 227 ቁምስናታት ዝተዋጽኡ ምስቲ ምስ ሥነ ኣሓዛዊ ምዕባለ ዝተተሓሓዘ ኣገልግሎት ዘቕርቡን ምስ እዚ ዓይነት ከይዲ ምዕባለ ርክብ ዘለዎምን ብጠቕላላ ሓደ ሽሕን ሰለስተ ሚእንትን ተጋብእያን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዘረባ ዝኸፈቱ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማሪያኖ ክሮቻታ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ኣብ ልቢ ቤተ ክርስትያን ምሉእነት ሰብኣዊ ፍጥረትን መምርሒ ዘድልዮ ሕልኽልኻት ምዕባለን ታሪኽን ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብዚ ሕልኽልኻት’ዚ እቲ ብልሒ ምዕባለ ሓባራዊ ኢዩ። ቤተ ክርስትያን ምዕባለ እትጻረር ኣይኮነትን እንታይ ደኣ እቲ ምዕባለ ክቡር ዋጋ ክለብስን ልዕሉ ክብሪ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብርን ክኸውን ከምዘለዎ ኢያ እትሕብር።

ቀጺሎም ምዕባለ ብዅሉ መዳያቱ ብምድህሳስ፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥሩ ዘማእከለ ክኸውን ከምዘለዎ ዝሐንጽን፣ ነዚ ዝድግፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክህሉን ቤተ ክርስትያን ብቐረባ ነዚ ምዕባለ ተረዲኣን ምስኡ ተላልያን ፍጥረት ሰብ ናይዚ ምዕባለ ግዙእን በዚ ምዕባለ ተዓቢሱ ከይጠፍእ ከምእትድግፍ ኣረዲኦም፣ ኣብዘን ዝሓለፉ ዓስርተ ዓመታት ውሽጢ፣ ቤተ ክርስትያን ልዕሊ 14 ሺሕ ዝግመቱ ምስ ኅልው ኵነታት ዝዝትዩ ንካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝትክኡ ዘይኮነስ ምንጪ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝገብሩ መርበብ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ከምዝተበቕዔ ድማ ገሊጾም። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርኤ ዘሎ ምዕባለ መራኸቢ ብዙኃን ዝተኣታትዎ ዘሎ ሓደስቲ ቃላት ብቐረባ ክጽናዕ ከምዘለዎ ድማ ገሊጾም፣ ንናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስ እዚ ቋንቋ ዝተላለየ ክኸውን ኣለዎ። ብፍላይ ድማ ነቲ ጸረ እግዚኣብሔር ዘይኮነስ ጸረ ቤተ ክርስትያን ኢየ፣ ኣብ እግዚኣብሔር እኣምን ቤተ ክርስትያን ግን ኣይተድለየንን ዝብል ኣብ መንእሰይ ወለዶ እናተስፋሕፍሔን እናሰረጸን ዝኸይድ ዘሎ ስነ ሓሳብ ዝብድሕ እውን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ባህልን መራኸቢ ብዙኃንን ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ጁሊዮዶሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ሥነ መርበብ ሓበሬታ ናይ ወዲ ሰብ ማኅበራዊ ባህርያቱ ዘዳምቕን ናይ ሰብኣዊ ርክባት ጉዳይ መፈጸምታ ኣብ ዘይብሉ ደረጃ ከብጽሖ ዝከኣል ኢዩ። እዚ ርክብ’ዚ ግን ኅብረ ርክብ ደኣ እምበር ብቖዓት ዘለዎ ዝምድናዊ ርክብ ዘየረጋግጽ ምሉኣዊ ዕብየት ሰብ ውሑስ ዘይገብር ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ መርበብ ኮይንካ እትነብሮ መንነትን ኣብ ጭቡጥ መነባቡሮኻ ዘሎ ምዃን መንነት ፈላልዩ ድርብን ተገራጫዊ መንነት የተኣታትው፣ ንመርበብ ሓበሬታ ብዝምልከት ቤተ ክርስትያን እተቕርቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዊ ኣብ ኵሉ ምዳይ መንነት ምዃናዊ ሓቅ ፍጥረት ሰብ ክይዝንጋዕ ይድግፍ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.