2010-04-24 13:22:54

ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዅሉ ወይ ንማንም


ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 24, 2010 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን “ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ውህደትን ምስክርነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ን RealAudioMP3 ኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መሰናደዊ ሳልሳይ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ኢየሩሳሌም እትርከብ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ጥዋል ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መዕለቡ ዘይተረኸበሉ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጀመረ ውጥረትን ግጭትን ብዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገርዎ ቃለ ምልልስ፣ ምሉው ወለዶ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ኣብቲ ሑከት ውሽጢ ዝተወልደን ምስ ናይ ውጥረትን ውግእን ኣንፈት ዝተተሓዘ ኢዩ ኢሎም፣ እዚ ድማ ሰላም ዝዓሰሎ ናይ መጻኢ ሓባራዊ ናብራ ንምግማት ወትሩ ኣሸጋሪን ሰላም ዘይከኣል የምስሎ። ኣብዚ ዓይነት ኩነት ድማ ይቕረ ካብ ምባልን ምምሕሓርን ስም ምጽላምን ምውቃስስን ምውግጋዝን ይቐልል፣ ክርስትያናዊ መልእኽትና ግን ይቕረ ተበሃሂልካ ብሓድሽ መንፈስ ምብጋስ ዝብል ብዙሓት ከም ጽላለን ዕሽነትን ኢዩ ቢሎም ቅድመ ፍርድ ዝህብሉን ይቕረ ምብህሃልን ምምሕሓርን ዝብለዎ ክቡር ዋጋ ፈጺሞም ክሰምዑን ክኽተሉን ድላይ የብሎምን። ዕላማና ምሕረትን ይቕረታን ክረጋገጽ ኢዩ። እዚ ካብ ምንቕቓሕ ድሕር ኣይንብልን ኢና ኢሎም።

ሰላም ዝረጋገጸላን እስላማይን ክርስትያንን ኣይሁድን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝመረሓሉ መዓልቲ ሰላም ክመጽእ ኢዩ። ስለምንታይ ሰላም ንዅሉ ወይ ድማ ንማንም ኢያ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ክፍሊ ሕብረተሰብ ውሽጢ ሓደ ክፋል ንበይኑ ኣብ ሰላም ክነብር ማለት ዘበት ኢዩ፣ ቢሎም ሰላም ንኸይረጋገጽ ተሓተትቲ ፍልስእጤማውያንን እስራኤላውያንን ኢያቶም፣ ሓደ ንበይኑ ዝወቀሰሉ ኣብነት የሎን። ውሑዳት እውን እንተኾኑ ካብዞም ክልተ ሕዝብታት ውሽጢ እውን ሰላም ንኽረጋገጽ ሓባራዊ ድላይ ዘለዎም ብሓባር ዝጽዕሩ ሰባት ኣለዉ። እስራኤል ሰላም ክረጋገጽ ትደሊ እንተድኣ ኮይና ሕድገታት ክትገብር ኣለዋ። ንኣብነት ካብቲ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ምምሕዳር እተካይዶ ሕንጸት ኣባይቲ ሠፈራ ከተቋርጾን ካብ ዝኣተወቶም ሥፍራታት ክትወጽእን፣ ክልተ ናጻን ሉዑላን ጎረባብቲ ሃግራት ዝብል ውሳኔ ክትቕበልን ኣለዋ። እዚ ንምርግጋጽ ሰላም ወሳኒ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እስራኤል ካብ ውግእ ሰላም ዘፍርሓ ትመስል፣ ምኽንያቱ ድማ ሰላም ሕቶ ናይ ኢየሩሳሌምን፣ ብዛዕባ 3 ሚሊዮን ፍልስጥኤማውያን ስደተይናታትን ዝምልከት ጉዳይ ምዕለቢ ክረክብ ኢዩ። እስራኤል ዶባ ተነጺሩ መልክዓ ምድራዊ ቅርጻ ክፍለጥ ስለ ዝገብር እውን ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዶብ እስራኤል ኣበይ ይጅመር ኣበይ ይውዳእ ኣይንፈልጥን፣ ወተሃደራታ ኣብ ዝደለይዉ ቦታ ክኣትዉን ክወጹን ትርኢ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ናይ ኣይሁድ እምነት ተኸተልቲ ናብ እስራኣኤል ክመጹን ክነብሩን ፍቑጽ፣ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ ስደተይናታት ፍልስጥኤም ግን እዚ መሰል ይንፈጎም። እቶም ኣብ ዝተፈላለየየ ናይ ተመዛበልትን ስደተይናታትን መዕቆቢ ሠፈር ዝርከብ እንተዘይኮነ፣ ካብቶም ኣብ ስደት ናብራኦም ዝመርሑን ዝተመሓደሩን ስደተይና ፍልስጥኤማውን ውሽጢ ናብ ፍልስጥኤም ተመሊሱ ክነብር ዝደሊ ሓሙሽተ እተበዝሔ ድማ ዓሰርተ ካብ ሚእቲ ኢዩ እንተተመልሰ፣ ስለዚህ ሕቶ ናይ ምምላስ ስደተይናታት ፍልስጥኤም ከፍርሓና የብሉን። ብኻልእ መዳይ ድማ ናብ ሃገርካ ምምላስ ሰብኣዊ መሰልካን ፍቓድካን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.